ቅዋም መንግስቲ
በግፍ በተገደሉ ንፁሃን ዜጎች ደም፣ የፖለቲካ ትርፍ ለማግኘች መሯሯጥ፣ በግፍ ላይ ግፍ መፈፀም ብቻ ሳይሆን፣ እንደተለመደው እውነታውን ለማድበስበስ የሚደረግ ኣደገኛ ፀረ-ህዝብ ሴራ ነው፡፡

ከትግራይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ የተሰጠ መግለጫ
በግፍ በተገደሉ ንፁሃን ዜጎች ደም፣ የፖለቲካ ትርፍ ለማግኘች መሯሯጥ፣ በግፍ ላይ ግፍ መፈፀም ብቻ ሳይሆን፣ እንደተለመደው እውነታውን ለማድበስበስ የሚደረግ ኣደገኛ ፀረ-ህዝብ ሴራ ነው፡፡
ከሁሉ በማስቀደም፣ የትግራይ ህዝብና የትግራይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት፣ ጥቅምት 22/2013 ዓ/ም በምዕራብ ወለጋ ዞን ጉሊሶ ጋዋ ቋንቋ ቀበሌ፣ በንፁሃን ኢትዮጵያውያን ወገኖች የደረሰው የግፍ ጭፍጨፋ የተሰማቸው ጥልቅ ሃዘን ይገልፃሉ፡፡ በየትኛውም ስፍራም ሆነ ጊዜ፣ ብሄር ተኮር ጥቃት የትግራይ ህዝብና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት በጥብቅ ያወግዛሉ፡፡
ስለሆነም በንፁሃን ወገኖቻችኝ ላይ በተፈፀመው ግፍ ልባቸው ለተሰበረው የኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰቦችና ህዝቦች እንዲሁም የግፍ ሰለባ ለሆኑ ቤተሰቦች የትግራይ ህዝብና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት መፅናናት ይመኛሉ፡፡
የትግራይ ህዝብና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት፣ ባለፉት ሁለት ዓመታት ተኩል፣ በኣሃዳዊ ኣምባገነኑን ቡዱንና ጋሽ ኣሻግሬዎቹ የደረሰባቸው ስፍር ቁጥር የሌለው ብሄር ተኮር ጥቃት በማንኛውም የኢትዮጵያ ብሄር፣ ብሄረሰብና ህዝብ ላይ ሊፈፀም ቀርቶ ሊታሰብ እንደማይገባው፣ ዕድሜ ልካቸው ሲታገሉለት የኖሩት እውነታ ነው።
ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጎና ጎኒ ምክልኻኻል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምዕፃድን ምእካብን ዝባፅሑ ዝራእቲ ፅጉማት ኣረጋውያን ሓረስቶት ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣፍሊጡ


ንህልው ኩነታት ኣመልኪቱ ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ቅዋም

ንህልው ኩነታት ኣመልኪቱ ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ቅዋም
ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ተቖፃፂሩ ዘሎ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ሓይሊ “ታሪኽ ንባዕሉ ይደግም” ከም ዝብሃል ግፍዕታት ዘውዳውን ወተሃደራውን ስርዓታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ብሓንቲ እናደገመ ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ምስ ሓይልታት ወፃኢ እንከይተረፈ ተሻሪኹ መዋፅኢ ቂም ፅልኢ ስርዓት ኢሳያስ ንምግባር ልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ዝበፅሕ ክሕደትን በደልን ይፍፅም ኣሎ።
Statement from the National Regional Government of Tigray Regarding Current Affairs Statement of Position

ወይከ ፈተኽ !! ከም ዋዕሮና ለተሰንበት ግደይ ሓዱሽ ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና !!

ሰሙናዊ መልእኽቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
=======================================
ወይከ ፈተኽ !! ከም ዋዕሮና ለተሰንበት ግደይ ሓዱሽ ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና !!
ፍርያት ማህፀን ትግራይና፣ዋዕሮ ጓል 22 ዓመት ፣ጅግና ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፣ 27 መስከረም 2013 ዓ/ም ምሸት ንምሸቱ፣ ኣብ ሃገረ ስፔን ከተማ ቫለንሽያ፣ብፃዕራ ሓዱሽ ሪከርድ ብምምዝጋብ ዓለም ዘስደመመ ድሙቕ ታሪኽ ፅሒፋ ኣላ፡፡ዕንቊ ትግራይና ጅግና ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ብጅግና ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝፀንሐ ሪከርድ 5 ሺሕ ሜትሮ ፣ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዘጋጠማ ማሕለኻታትን ዕንቅፋታትን በታቲኻ፣ ኒሕን ወነን ሰኒቓ፣ ብናይ ባዕላ ብልሓትን ጥበብን፣ንዓመታት ዝዘለቐ ሪከርድ ዶዃዕዃዕ ኣቢላን ብልዕሊ (5) ሴኮንድ ኣማሓይሻን ንግስቲ ኣትሌቲክስ ዓለም 5 ሽሕ ሜትሮ ኾይና ኣላ፡፡
ሎሚ ውን ከም ዓሚ!!

ዕለታዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
ሎሚ ውን ከም ዓሚ!!
“““““““““““
ቅድሚ ኩሉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣብ ዞባታት ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ትግራይ ዓሲሉ ዘሎ በረኻ ኣንበጣ ንምምካት ብሓፈሻ ህዝብና ብቐንዱ ንህዝቢ እተን ዞባታት ፣ በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓን፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ብዘይዕረፍቲ ቀትርን ለይትን ንዝገብርዎ ዘለዉ ርብርብ ዘሎዎ ክብሪ እንትገልፅ፣ ወራር ዕስለ ኣንባጣ ክሳብ ዝጠፍእ ኩለ መዳያዊ ዓቕምና ኣጣሚርና ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ከምእንገብር ብምትእምማን እዩ።
በሴራ ፖለቲካ የተጎነጎነ ነጭ ውሸት ማሰራጨት በውርደት ላይ ውርደት ከመጎንጨት የዘለለ አንዳችም ትርፍ የለውም

ከትግራይ ኮምዩኒኬሽን ጉዳዮች ቢሮ የተሰጠ መግለጫ
በሴራ ፖለቲካ የተጎነጎነ ነጭ ውሸት ማሰራጨት በውርደት ላይ ውርደት ከመጎንጨት የዘለለ አንዳችም ትርፍ የለውም
የትግራይ ህዝብ እና መንግስት፣ የኦሮሞ ህዝብ የዘመናት መገለጫ የሆነው እና በተባበሩት መንግስታት ድርጅት የትምህርት፣ ሳይንስና ባህል ተቋም /ዮኔስኮ/ የተመዘገበው የኤሬቻ በዓል ዘንድሮም በተለመደው የአከባበር ስነ-ስርዓት እንዲከበር ከመፈለግ ውጪ ሌላ ዓለማም ሆነ ምኞት የላቸውም ፡፡
ሆኖም በአሃዳዊዉና አምባገነኑ ቡድን የሚዘወሩ የፌደራል ሚድያዎች ባለፉት ሁለት ተኩል አመታት ሲያደረጉት የቆዩት ነጭ ውሸት የማሰራጨት አባዝያቸዉ፣ ትላንት መስከረም 21 /2013 ዓ/ም እንደተለመደው የትግራይ ፀጥታ ቢሮ ያሰማራቸው አሸባሪዎች ተይዘዋል በማለት የበሬ ወለደ ሃሰተኛ መረጃ አሰራጭተዋል፡፡
ነገር ግን አንድ ነገር ኮሽ ባለ ቁጥር፣ የትግራይ ህዝብ ወዶና ፈቅዶ የመረጣቸውን መሪዎችን ስም እያነሱ ጥላሸት ለመቀባት መፍጨርጨር ምናልባት የኢትዮጵያ ብሄር፣ ብሄረሶቦችና ህዝቦች በአራቱም አቅጣጫዎች እያደረጉት ያለውን ትግል ለማኮላሸት ታስቦ ከሆነም ፈፅሞ የሚሳካ አይሆንም፡፡ ከዚህ ባሻገር “ሊበሏት የፈለጉዋት አሞራ ይሉዋታል ዥግራ” እንደሚባለው በትግራይ ህዝብና መንግስት ላይ ሲካሄድ የነበረውን ብሄር ተኮር ጥቃት በትንኮሳ ለማስቀጠል የተጠነሰሰ እኩይ ሴራም ሆነ የትግራይ ህዝብ መሪዎች ስም በሴራ ፖለቲካ የተጎነጎነ ነጭ ውሸት ማሰራጨት በስልጣን ላይ ያለው አምባገነኑ ቡድን ዝቅጠት ከማሳየት እና በውርደት ላይ ውርደት ከመጎንጨት የዘለለ አንዳችም ትርፍ የለውም፡፡ ስለዚ ህዝባቸዉ በአግባቡና በሰላም እያስተዳደሩ ላሉት የትግራይ መሪዎች ስም የማብጠጠል እንቆቅልሽ ይቁም፡፡
ሓበሬታ-ንኹለመዳያዊ መኸተን ዘላቒ ምዕባለን!!

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
===================================
ሓበሬታ-ንኹለመዳያዊ መኸተን ዘላቒ ምዕባለን!!
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ መዓልቲ ሓበሬታ ብብርኪ ክልል ን2ይ ግዜ ዘኽበሮ፣ ቐንዲ ምኽንያት፣ ኣብ ፅባሕ ምስረታ መንግስቲ፣ ዝውጠኑ ቐፃሊ ትልሚ 5 ዓመትን፣ ኣብ ዝቕፅሉ 25 ዓመታት ትግራይ፣ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ምዕባለ ዘብፅሑ ኣንፈታትን መደባትን፣ ምልኣተ ህዝብና፣ ተኣማናይ ሓበሬታ ረኺቡ ኣብ ኩሉ መደባት መኸተ ቀንዲ ተዋሳኣይ ንምግባር ብዘለዎ ትርጉም እዩ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ግና መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመሮ ሓዱሽ ኣወዳድባ ትግራይ ኣፅፊፉ ናብ ባይታ ብምውራድ ስርዓት ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምዝርጋሕ፣ ቅልጡፍ ሕቶ ልምዓት ንምምላስ፣ ካብ ኣካብነት ክራይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝፍልፍሉ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር፣ ብርኪ ብብርኪ ብምፍታሕ፣ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ንምርግጋፅ መተካእታ ዘይብሉ ግደ ስለዘለዎ እዩ፡፡
ንህዝቢ ትግራይ ምግልጋል ድርብ ክብሪ እዩ !!

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
====================================
ንህዝቢ ትግራይ ምግልጋል ድርብ ክብሪ እዩ !!
ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ፣ 14 መስከረም 2013 ዓ/ም፣ ፍረ ፃማኻ ስለዝረኸብካ፣ እንኳዕ ደስ በለካ! ደስ በለና! ዝብል መልእኽቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እንተመሓላልፍ ንዓኻ ንምግልጋል ህዝባዊ ሓላፍነቱ ንምፍፃም ቃሉ ብምህዳስ እዩ፡፡
ህዝቢ ትግራይ፣ ሓይልታትን ትምክሕትን መሻርኽቶምን ግንባር ፈጢሮም፣ ዝዝውርዎ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ጉጅለ፣ ኣብ ርእስኻ ዘሳውሮ ማእለያ ዘይብሎም ሽርሕታት፣ ሓድነትካ ኣጠናኺርካ በጣጢስካ፣ ኣብ ዓርሰኻ ጥራሕ ተኣማሚንካ ዓለም ብዓለሙ፣ ዘስደመመ ታሪኻዊ መረፃ መኸተ፣ ብቃልስኻ ኣዕዊትካ፣ ፀላእትኻ መልሓሶም ክሓይኩ፣ ፈተውትኻ ድማ ክሕበኑን፣ ካብ መትከልካ ፈተኽ ከምዘይትብል ብግቡእ ክርድኡን ገይርካ ኢኻ፡፡