ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ነቲ ይሳለጥ ዘሎ ኮንፈረንስ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ እቲ መድረኽ ኣካል እቶም ብተኸታታሊ ኣብ ውድብን ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ክካየዱ ዝፀንሑ ኮንፈረንሳት ኮይኑ፤ በቢ ብርኩ ክካየዱ ዝፀንሑ ገምጋማትን ዝተበፅሑ መደብደምታታትን ብዓይኒ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዝህልዎ ትርጉም ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ፡፡