Monthly Archives: February 2019
“በዓል ዓወት ዓድዋ ናይ ቡዙሃነትናን ሓድነትናን ህያው ማህተም እዩ፡፡”
ምጥንኻር ምሕዝነት ኣሓት ከተማታት ጀርመናዊት ጐታን ከተማ ዓድዋን፡፡
ብፅንዓት ኣብ ዝተነፀሩ ክፍተታት መሰረት ዝገበረ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ከተማ ኣኽሱም እናተሳለጠ ይርከብ፡፡
ዘንኳሕኩሕ ኢንቨስተር ዘይኮነስ ባዕልና ኣንኳሕኵሕና ንዓ ትጠቅመና ኢኻ ኢና ክንብል ዘለና። እዛ ክልል ቀልጢፋ ክትቅየር ኣለዋ።
መዘጋጃቤት ምምሕዳር ከተማ ኣክሱም ብልዕሊ 319 ሚልዮን ብር ህንፀት ውሽጢ ንውሽጢ መንገዲ ይሃንፅ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

መዘጋጃቤት ምምሕዳር ከተማ ኣክሱም ብልዕሊ 319 ሚልዮን ብር ህንፀት ውሽጢ ንውሽጢ መንገዲ ይሃንፅ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡
ምምሕዳ ከተማ ኣክሱም ኣብዚ በጅት ዓመት ብ280,528,274 ብር 13.1ኪ.ሜትር ኣስፓልት፣ 39,319,825 ብር 6.7 ኪ.ሜትር ብእምኒ ምንፃፍ ብሓፈሻ ብር 319,848,099 ወፃኢ 19.8 ኪ.ሜትር ንውሓት ዝሽፍን ህንፀት ተለዋጢ ውሽጢ ንውሽጢ መንገዲ የሳልጥ ከም ዘሎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ከተማ ኣክሱም መምህር ሓዱሽ ገ/መድህን ገሊፆም፡፡
መምህር ሓዱሽ፤ እዚ ህንፀቱ እናተሳለጠ ዘሎ መንገዲ ከተማ ኣክሱም ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ህንፀቱ ዝዛዘም እንትኸውን ካብ ድምር ወፃኢ ህንፀት እቲ መንገዲ ብር 280,528,274 ካብ ውሽጢ እቶት እቲ መዘጋጃቤት ዝተኣከበ እቲ ዝተረፈ ወፃኢ ድማ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ተባሂሉ ካብ ዝተረኸበ ገንዘብ ዝሽፈን’ዩ እሎም፡፡ ከይዲ ክፍሊት ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ተኸፍሉ ይውዳእ፡፡
ዛጊድ 129 ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቆፈ ን639 መናእሰይ ኣብ ምንፃፍ እምኒ ተዋፍሮም ይሰርሑ ከምዘለው ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ፡፡
ኣብ ከይዲን ትግበራን 4ይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ኢትዮጵያ ንጠርነፍት፣ ትምህርትን ምልዕዓል ኮሚቴን ስልጠና ይወሃብ ኣሎ፡፡

ኣብ ከይዲን ትግበራን 4ይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ኢትዮጵያ ንጠርነፍት፣ ትምህርትን ምልዕዓል ኮሚቴን ስልጠና ይወሃብ ኣሎ፡፡
ብብርኪ ሃገር ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 20 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም ን4ይ ግዘ ንዝሳለጥ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ኢትዮጵያ ንብብርኪ ወረዳን ዞባን ጠርነፍትን ትምህርትን ምልዕዓል ኮሚቴ ኣብ ዙርያ 4ይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን እኹል ግንዛበ ንምትሓዝ ኣብ ከተማ ኣክሱም ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ምስ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ብምትሕብባር እናተሳለጠ ይርከብ፡፡