Monthly Archives: July 2019

ኣካቢት መዳለዊት ዓብዩ ኮሚቴ 2ይ ዙር ዓለም ለኸ ፌስትቫል ዲያስፖራ ትግራይን ወ/ሮ ሊያ ካሳ ኣብ ሓፈሻዊ ፅንብል ምዝገባን ኣቀባቢላን ተሳተፍቲ 2ይ ዙር ፌስትቫል ዲያስፖራ ትግራይ ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን

ኣካቢት መዳለዊት ዓብዩ ኮሚቴ 2ይ ዙር ዓለም ለኸ ፌስትቫል ዲያስፖራ ትግራይን ወ/ሮ ሊያ ካሳ ኣብ ሓፈሻዊ ፅንብል፣ ዕላማ፣ ስነ ስርዓት፣ምዝገባን ኣቀባቢላን ተሳተፍቲ 2ይ ዙር ፌስትቫል ዲያስፖራ ትግራይ ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን፡፡

ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበን ብብሉፅ መራሒ ተጋደላይ መለሰ ዜናዊ ዝተጀመረ ሃገር ለኸ ተኸላ ፈልሲ ወፍሪ ሓምለዋይ ልምዓት ለንዘበን እውን ብብርኪ ሃገርን ትግራይን ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ

ቅድም ክብል ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበን ብብሉፅ መራሒ ተጋደላይ መለሰ ዜናዊ ዝተጀመረ ተግባርን ውጡን ሓሳብን ሃገር ለኸ ተኸላ ፈልሲ ወፍሪ ሓምለዋይ ልምዓት ለንዘበን እውን ብብርኪ ሃገርን ትግራይን ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ፡፡

ትግራይ ንደቃ ደቃ ንትግራይ ; መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ትግራይ ልዕሊ 665 ሚልዮን ብር ንምእካብ ቃል ተኣትዩ

ማህፀን ትግራይ ብልምዓት ንምድባስ ንተኸታተሊ ክልተ ሰንበት ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ ዝፀነሐ #ትግራይ ንደቃ ደቃ ንትግራይ ; መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ትግራይ ልዕሊ 665 ሚልዮን ብር ንምእካብ ቃል ብምእታው ትማሊ 21 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ሆቴል ኣኽሱም ብዓወት ተኸቢቱ

ወፍሪ መለስ ንሓምለዋይ ልምዓት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ብብርኪ ክልል 80 ሚልዮን ፈልስታት ኣብዚ ክረምቲ ከም ዝትከሉ ተገሊፁ

ወፍሪ መለስ ንሓምለዋይ ልምዓት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ብብርኪ ክልል 80 ሚልዮን ፈልስታት ኣብዚ ክረምቲ ከም ዝትከሉ ተገሊፁ።

ከም ክልል ኮነ ከም ሃገር ብምኽንያት ኢሊኖ እናጋጠመ ዘሎ ተለዋዋጣይ ፀባይ ኣየርን ሕፅረት ዝናብን ንምክልኻል ኩሉ ዜጋ ፈልሲ ካብ ምትካል ጀሚሩ ናብ ኣግራብ ክሳብ ዝዓብዩ ሓብሒቡ ከዕብዮም ከም ዝግባእ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ዳይሮክቶር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ሙሩፅ ገሊፆም፡፡

ፅምብል ምሁራን ትግራይና – ዋሕስ ምዕባለና!!

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
ፅምብል ምሁራን ትግራይና – ዋሕስ ምዕባለና!!

“ትግራይና ናበይ ? – ኣብ ትግራይና፣ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ኢኮኖሚን ማሕበረ ሰብን ምህናፅ” (“Quo vadiS Tigray፡ building , knowledge-based economy and society in tigray” ) ብዝብል መሪሕ ቃል፣ 2ይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ፣ ካብ ሓምለ 21/11/2011 ዓ/ም ክሳብ 1 ነሓሰ 2011 ዓ.ም፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ፣ ብገዚፍ ስምረት ብሄራዊ ፅምብል ተሰንዩ ክቃናዕዩ። ኣብዚ ዓብይ መድረኽ፣ ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ዘለው፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ላዕለዎት ምሁራን፣ ተመራመርትን ሊቃውንትን ትግራይ ከምዝሳተፉ ዝለዓለ ትፅቢት ይግበር።

2ይ ዙር መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ነጋዶን ሰብሃፍትን ትግራይ ኣብ 21 ሓምለ 2011 ዓ/ም ክሳለጥ እዩ

2ይ ዙር መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ነጋዶን ሰብሃፍትን ትግራይ ኣብ 21 ሓምለ 2011 ዓ/ም ክሳለጥ እዩ ።

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ፤ኣብቲ 14 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ኩሉ ሕብረተሰብ ንክሳተፍ ዕድል

ዳግመ ኣወዳድባ ወረዳታት ትግራይ ብሳይንሳዊ መንገዲ ይፅናዕ ኣሎ

ዳግመ ኣወዳድባ ወረዳታት ትግራይ ካብ ወፃኢ ሃገር ብዝተወሰደ ተሞክሮ መሰረት ብምግባር ሳይንሳዊ ብዝኾነ መገዲ ይፅናዕ ከምዘሎ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበሉ፥ እቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ መሰረት ብምግባር ምሁራት ተጋሩ መፅናዕቲ ኣብ ዘቕረብሉ መድረኽ ኢዩ።

ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ተጋሩ ዘሳልጥዎ መድረኽ ቴሌቶን ትግራይ ሰምበት 14 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ ኢዩ::

ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ተጋሩ ዘሳልጥዎ መድረኽ ቴሌቶን ትግራይ ሰምበት 14 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ ኢዩ::

16 ሰነ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ሓወልቲ ሰማእታት ክሳለጥ ተወጢኑ ብምኽንያት መስዋእቲ ጀጋኑ ተጋሩ ጀነራላት ተናዊሑ ዝፀንሐ ቴሌቶን ምትእኽኻብ እቶት ትግራይ 14 ሓምለ 2011 ኣብ ከተማ መቐለ ሓወልቲ ሰማእታት ብዝልዓለ ድምቀት ክካየድ እዩ፡፡

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብሩ ምሁራን ተጋሩ ንምዕባለ ትግራይ ይገብሩዎ ዘለዉ ኩለመደያዊ ምንቅስቓስ ንኢዶም፡፡

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብሩ ምሁራን ተጋሩ ንምዕባለ ትግራይ ይገብሩዎ ዘለዉ ኩለመደያዊ ምንቅስቓስ ንኢዶም፡፡

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ምስ ፍሉይ ሕታም መፅሄት ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ፤ብሳይንሳዊ መፅናዕትን ምርምርን ምሁራን ዝተሰነየ ቃልሲ፣ ልምዓትን ሓፈሻዊ ጉዕዞ ህዳሰን እንተሃልዩ፤ ካብ ድኽነት እንወፀሉ እዋን ነዊሕ ኣይኸውንን ኢሎም፡፡

ዲያስፖራ ተጋሩ ካብ ኩባንያታት ትእምት ሼር ብምግዛእ ኢንቨስት ክገብሩ ፃውዒት ቐሪቡ

ዓበይቲ ዝበሃላ ሰለስተ ኩባንያታት ትእምት(መሰቦ፣ ሱርን ትራንስ) ሼር ንምሻጥ ተዳልየን ከም ዘለዋን በዚ ድማ ዲያስፖራ ተጋሩ ተወዲቦም ካብዘን ኩባንያታት ሼር ብምግዛእ ኢንቨስት ክገብሩ ብብርኪ ም/ር/ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ከተማ ልምዓትን ንግድን ኢንዱስትርን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ፀዊዖም፡፡