Monthly Archives: November 2019

ሓበሬታ:-

ሓበሬታ:-

“ኣብዚ እዋን እዙይ መላእ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰይ ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣብ ኩለ መዳያዊ ንጥፈታት ልምዓት: ዴሞክራታይዜሽንን ምስፋን ሰላምን ክልሉ ዘርእዮ ዘላ ተገዳስነት ክምስገን ይግባእ።ንቐፃሊ ውን እዚ መንፈስ እዙይ ብዝበለፀ ተጠናኺሩን ብኣግባቡ ተወዲቡን ክትግበር ይግባእ።

መኸተ ሃንደበታዊ ተፃብኦ

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

መኸተ ሃንደበታዊ ተፃብኦ

ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን፣ ህዝቢ ትግራይ ሓደጋ ተፈጥሮን ሰብ ሰራሕን እንተጋጥሞ ሓድነቱ ኣስጢሙ፣ ውህሉል ተሞክርኡ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ለዊጡ፣ ውዳበታቱ ዝያዳ ኣጠናኺሩ ነቲ ዘጓንፎ ብድሆ እናመከተ ብዓወት መሰስ ከምዝብል ሕሉፍ ታሪኩ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡፡ ብመሰረት’ዚ ነቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ንህልውናና ናብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ወራር ዕስለ ኣምበጣ’ውን እንተኾነ ኣብ ዘራእቲ ሓደጋ እንተየብፀሐ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ሜላታት እናተጠቐመ፣ ይምክቶ ኣሎ፡፡

ሰለጤን ልምዓት ትግራይን መኸተ ኣንፃር ትምክሕተኛትን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ትግራይ ገሊፁ

ሰለጤን ልምዓት ትግራይን መኸተ ኣንፃር ትምክሕተኛትን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ትግራይ ገሊፁ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም በቲ ሓደ ገፅ ንዕግበት ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ንምኽባር ሕገ-መንግስቲ ሃገር ዘይሕለል ቃልሲ ከም ዝገበረ ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣይተ ዳንኤል ኣሰፋ ገሊፆም፡፡