Monthly Archives: January 2020

ከተማ ኣብ ትሕቲ መሬት

ከተማ ኣብ ትሕቲ መሬት

ኣብ ዝተፈላለዩ ድርሳናት ታሪኽ፣ መፅናዕታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ፅሑፋት “ትግራይ መሰረት ስልጣነ እያ” ዝብል ሓሳብ ተደጋጊሙ እንትፅሓፍን እንትዝረብን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፡፡ ትግራይ ሕምብርቲ ስልጣነ ምንባራን ምዃናን ብስነ ኳዕቲ ዓበይቲ መረዳእታታት ስነ ጥንቲ እናተራኸቡ እዮም፡፡ ካብዚኣቶም “ኣብ ትሕቲ መሬት ከተማ ተረኺባ” ዝብል ዜና ኣግራሞት ይፈጥረልኩም ይኸውን፡፡ እቲ ዜና ግን ልክዕ ኮይኑ፤ እቲ ሓቂ ከምዚ እዩ፡፡

እዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ከንበርክኹ ዝፅዕሩ ዘለዉ ሓይልታት ትምክሕቲ እንምክተሉ፣ መበል 45 ዓመት ልደት ህውሓት እነኽብረሉን ከምኡውን ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም ተወዲብና ቃልስና እነሕይለሉ ግዘ እዩ ተባሂሉ

እዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ከንበርክኹ ዝፅዕሩ ዘለዉ ሓይልታት ትምክሕቲ እንምክተሉ፣ መበል 45 ዓመት ልደት ህውሓት እነኽብረሉን ከምኡውን ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም ተወዲብና ቃልስና እነሕይለሉ ግዘ እዩ ተባሂሉ::

ማሕበራዊ ሚዲያ ንረብሓ -ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ምስ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ ተረኺቦም መኽፈቲ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ምክትትል ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሱ፤ እዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ከንበርክኹ ዝፅዕሩ ዘለዉ ሓይልታት ትምክሕቲ እንምክተሉን መበል 45 ዓመት ልደት ህውሓት እነኽብረሉን ከምኡውን ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም ተወዲብና ቃልስና እነሕይለሉ ግዘ እዩ ኢሎም::

መግለፂ ቅዋም ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤ ህወሓት

መግለፂ ቅዋም ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤ ህወሓት
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ኣብ ታሪኽ ውድብና ንፈለማ ግዜ ካብ ታሕሳስ 25 ክሳብ 26 /2012 ዓ/ም ንተኸታታሊ ክልተ ማዓልቲ ”ጉባኤ ፅንዓትን መኸተን ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዘካየድናዮ ታሪኻዊ ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ከምቶም ሕሉፋት ጉባኤታትና ህፁፅ ጉባኤና ‘ውን ንህልው መድረኽ ብዝግባእ ገምጊሙ ቀፃሊ ናይ ቃልሲ ኣንፈታት ብምንፃር ኣብ ፍፁም ናይ ቃልሲ ፅንዓትን ሓቦን ዝተመስረተ ዕውት ጉባኤ ኣካይድና ኣለና።