Monthly Archives: March 2020
መልእኽቲ ካብ ማሕበረሰብ ሙሁራን ትግራይ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (COVID-19)

ኮማንድ ፖስት ክልል ትግራይ መኸተ ቫይረስ ኮረናተወሰኽቲ ሰለስተ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ
ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
=====================================================
“ገ እናበሉኻ ዶ ትጋገ! “
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ህዝብና፣ ካብ ተላባዲ ሕማም፣ቫይረስ ኮሮና /covid 19/፣ንምክልኻል ዝሕግዝ ድንጋገ ህፁፅ እዋን፣ ኣውፂኡ ኣሎ፡፡ ብሓፈሻ 24 ዓበይቲ ዓንቀፃት፣ ከምኡ እውን 29 ግቡኣትን ዘይግደቡ መሰላትን፣ ዘነፀረ እዚ ድንጋገ፣ ካብ 17 መጋቢት 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ንኽልተ ሰሙን ዝፀንሕ እዩ፡፡
ፈፃሚ ስራሕ ካብኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና (COVID-19) ንምክልኻል ዘኽእል ድንጋገ ህፁፅ እዋን፣

ፈፃሚ ስራሕ ካብኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና (COVID-19) ንምክልኻል ዘኽእል ድንጋገ ህፁፅ እዋን፣
ኣብዚ ህፁፅ እዋን ዝፍፀሙ ግቡኣት፣
- ዝኾነ ዓይነት ምትእኽኻብ ሰባት፣ ኣኼባ፣ ስልጠና ይኹን ካልኦት ተመሳሰልቲ ተግባራት ኣይፍቀድን፣
- ኣብያተ ትምህርቲ፣ ዩኒቨርስታት፣ ኮሌጃት፣ መዋእለ ህፃናት፣ ማእኸላት ስልጠና፣ ህዝባዊ ኣብያተ ንባብ፣ ይዕፀዋ
- ዝኾነ ዓይነት ድግስ ወይሰባት ዝተኣኻኸብሉ ማሕበራዊ ርክብ ከም መርዓ፣ ተስካር፣ ክርስትና፣ ዓመት ቆልዓ፣ ገለብ፣ ፀበል፣ ምረቃ፣ ተሃድሶ፣ ቀብሪ ብውስናት ሰባት ተረሓሒቆም ክኸውን፣ ደበስ፣ እድር፣ ዕቁብ፣
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ንቫይረስ ኮረና መከላኸሊ ዝውዕል ልዕሊ 3.4 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ ሕክምና ኣበርኪታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ንቫይረስ ኮረና መከላኸሊ ዝውዕል ልዕሊ 3.4 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ ሕክምና ኣበርኪታ፡፡
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ሕሉፍ እዋናት ምስ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብትሕብባር ኣብ ትግራይ ንቫይረስ ኮረና መከላኸሊ ዝውዕል 160 ዓራት፣ 44 ፍራሽ፣ 15 ሕሙማት ዝግልገልሉ ሳንዱቅ፣ 8 ክራንች፣ 3 ዊልቸይርን ብሓፈሻ ካልኦት ነቲ ሕማም ብቐሊሉ ንምክልኻል ዝውዕሉ ናውቲ ሕክምና ከም ዘበርከተት ተሓቢሩ፡፡
“ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንመኸተ ኣብ ዝተዳለናሉ እዋን ስለዝመፀ ህይወት ክግብር ተዳልዩ ዝነበረ ህዝቢ ህይወት ንምድሓን ንደሓር ክብል ኣይግባእን” ምክትል ም/ር/ምም/ደ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል
ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና አብ መላእ ዓለም ብዝለዓለ ናህሪ ብምውሳኽ ዛጊድ ቁፅሪ ቫረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ሰባት ልዕሊ 300 ሽሕ ከም ዝበፀሐ ውድብ ጥዕና ዓለም አፍሊጡ
ኮረና ቫይረስ እናመከትና – ንዕሰል ኣብ ቀንዲ ውራይና!!

ሰሙናዊ መልእኽቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
ኮረና ቫይረስ እናመከትና – ንዕሰል ኣብ ቀንዲ ውራይና!!
ብሄራዊ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብክልል ብርኪ ግብረ-ሓይሊ ኣጣይሹ ዝልዓለ መሪሕነት ዓርፊዎ፣ ዉሽጣዊ ዓቕሙ ዝፈቅዶ ዘድሊ ስራሕቲ እናወገነ፣ ቐንዲ ውራዩ ንምስላጥ ብዝለዓለ ወነ ኣብ ምርብራብ ይርከብ። ብተመሳሳሊ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ፣ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ዝተፈላለዮ ትካላት ሃይማኖት ከምኡ ዉን ማሕበራት፣ ውራይ ህዝብናን መንግስትናን፣ ውራይና እዩ ኢሎም፣ ቫይረስ ኮረና ንምኽልኻል ኣድላዪ ዘበለ ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለው፡፡
ኣብ መንጎ ህዝቢታት ትግራይን ሱዳንን ዝፀንሐ ምሕዝነት ዝያዳ ብዱልዱልን ንግድን ቁጠባን ንምጥንካር ይስራሕ ከም ዘሎ ምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ሕብረት ሱዳን ገሊፁ

ኣብ መንጎ ህዝቢታት ትግራይን ሱዳንን ዝፀንሐ ምሕዝነት ዝያዳ ብዱልዱልን ንግድን ቁጠባን ንምጥንካር ይስራሕ ከም ዘሎ ምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ሕብረት ሱዳን ገሊፁ፡፡
ምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ሕብረት ሱዳንን በዓል ሃፍትን ኣሰይድ መሓመድ ኣልሓሰን ከም ዝሓበርዎ፤ ህዝቢታት ትግራይን ሱዳንን ብመሰረተ ልምዓት መንገዲ ባቡርን መንገዲ ኣስፋልትን ንምርኻብን ኣብ መንጎ ህዝቢታት ትግራይን ሱዳንን ዝፀንሐ ምሕዝነት ዝያዳ ብዱልዱል ንግድን ቁጠባን ንምጥንካር እንሰርሐሉ እዋን ሐዚ እዩ ኢሎም፡፡