Monthly Archives: May 2020

“ከመጋረጃ በስተጀርባ በተፈበረከ ሐሰተኛ፣ የበሬ ወለደ ወሬ የሚደናገር ህዝብ ፈፅሞ ኣይኖርም”!

“ከመጋረጃ በስተጀርባ በተፈበረከ ሐሰተኛ፣ የበሬ ወለደ ወሬ የሚደናገር ህዝብ ፈፅሞ ኣይኖርም”!

ባለፉት ሁለት ዓመታት፣ የተቀነባበረ፣ ሓሰተኛ ዴኮሜንታሪ ፊልም ሰርቶ በማሰራጨት፣ በትግራይ ህዝብና መንግስት ላይ ሲሰነዘር የነበረው ብሄር ተኮር ጥቃት፣ ኣገርሽቶቦት፣ ትላንት ግንቦት 16/2012 ዓ/ም፣ በተመሳሳይ ቀንና ሰዓት፣ በኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን፣ በኢትዮጵያ ፕሬስ ድርጅት፣ በፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን፣ በዋልታ ኢንፎርሜሽን ማዕከል፣ በብልፅግና ፓርቲ ፌስቡክ ፔጅ፣ በኣዲስ ኣበባ ብልፅግና ፓርቲ ፌስቡክ ፔጅ፣ በኣማራ መገናኛ ብዙሃን እንዲሁም ከግል ሚዲያዎች፣ ማለትም በኢሳት፣ በኣባይ ሚዲያ፣ በዘሀበሻ ወዘተ የሚባሉ እንዲሁም መረጃ ዶት ኮም እና ኣዲስ ፋክት በተባሉ ማህበራዊ የሚዲያ ኣውታሮች የበሬ ወለደ ትርክታቸውን ኣሰራጭቷል፡፡

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክበ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክበ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ንተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና እንኳዕ ንመበል 1441 ዓመት ሂጂሪያ-ረመዳን ዒድ ኣልፈጥር፣ ብሰላም ኣብፀሐኩም! ኣብፀሐና! ዝብል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት፣ ብሽም ህዝቢ ትግራይ እንተመሓላልፍ፣ ዝለዓለ ክብሪ ይስምዖ፡፡

ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምናን፣ ተኸተልቲ ኩሎም ዓይነታት ሃይማኖታት ክርስትናን፣ ደቂ ትግራይ፣ ልምዓታውን ዲሞክራሲያዊን ህዝባዊ መስመርና ኣፅኒዖም ሒዞም ብዝኸፈልዎ ናይ ህይወትን ንብረትን መስዋእትነት፣ ቅድሚ 29 ዓመት፣ 20 ጉንቦት ዘረጋገፅዎ፣ ማዕርነት ሃይማኖት ሓዊስካ ኩለመዳያዊ ማዕርነትን፣ ፍትሓዊ ተጠቃምነትን፣ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ቐላፅምና ጠሚርና ናብ ዝላዓለ ብራኸ ከምነሰጋግሮ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን፡፡

ሎሚ፣ ቅድሚ 29 ዓመት ማለት 13 ጉንበት 1983 ዓ/ም፣ መራሒ ወታደራዊ ፋሽሽታዊ ደርግ ነበር ሌተናል ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያምናብ ሃገር ዚምባብዌ ዝሃደመላ ዕለት እያ

ከም ሎሚ፣ ቅድሚ 29 ዓመት ማለት 13 ጉንበት 1983 ዓ/ም፣ መራሒ ወታደራዊ ፋሽሽታዊ ደርግ ነበር ሌተናል ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፣ ጉዕዝኡ ጠቕሊሉ፣ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ሰሪቑ፣ ካብ ኣ/ኣበባ ናብ ሃገር ዚምባብዌ ዝሃደመላ ዕለት እያ፡፡ ድሕሪ ሰሙን ድማ ማለት 20 ጉንበት 1983 ዓ/ም፣ ኣብ ታሪኹ ብዝኾነ ፀገም ሽብረኽ ኢሉ ዘይፈልጥ፣ ወትሩ ስጡም ከም እምኒ ዓረ ህዝብና፣ ኣብ ልምዓታዊን ዴሞክራስያዊን ህዝባዊን መስመር ዓሲሉ፣ ንስርዓት ደርግ ምስ ኩሉ ዘመናዊ ጋዕ ገልጠም መሳርሒ ኲናት፣ ሓመድ ድበ ክኽደን ገይሩ፣ ባና ሓርነት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትምክሕቲ ወለዐ፡፡

ዓለምና፣ ብግቡእ እንተትፈልጠኪ! እንታይኮን ምሸለመትኪ!!??

ዓለምና፣ ብግቡእ እንተትፈልጠኪ! እንታይኮን ምሸለመትኪ!!??
////////////////////////////////////////////

ቅድሚ ኹሉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ በብዓመቱ 10 ጉንበት፣ ብደረጃ ዓለም ንዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ሙዝየም፣ እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም! ኣብፀሐና! ዝብል መልእኽቲ እንተመሓላልፍ ሓበን ይስምዖ፡፡

ሎሚ ዓመት “ንማዕርነት፣ ንብዙሕነትን ሓቛፋይነትን” ብዝብል መሪሕ ቃል፣ ብደረጃ ዓለም ንመበል 43 ጊዜ ብደረጃ ክልልና ድማ ንመበል 12 ጊዜ፣ ኣብ ንዝክሮ ዕለት፣ ማዕኸን ሙዝየም ዝኾነት ትግራይና ተረባሒት፣ ሃፍተ-ገነትና ንክትከውን ኩላትና መድረግቲ ኣካላት ዓቕምና ጠሚርና ከም እንረባረብ ብምትእማምን እዩ፡፡

JEG ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ኣፍሊጡ

JEG ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣይተ ዳኒኤል ኣሰፋ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ JEG ካብ 1 ሓምለ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ብብርኪ ሃገር ይኹን ብብርኪ ክልል ምምሕያሽ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ዋላዃ እንተነበረ ብሕፅረት በጀት ምኽንያት ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክኽፈል ተወሲኑ ኢሎም፡፡

ውሳነ ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ቁፅሪ 15/2012

ውሳነ ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ቁፅሪ 15/2012
=================================

ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህዝቢ ካብ ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ (Covid-19) ንምክልኻል ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 1/2012 ኣውፂኡ ኣብ ስራሕ ኣውዒሉ እዩ፡፡ እዚ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብኣዋጅ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 347/2012 ኣፅዲቕዎ እዩ፡፡

“ኣብዛ ሃገር ክውቀጥ ዝግብኦ እንተሃልዩ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ ህዝቢ ንዝመረፆ መንግስቲ ስልጣን ነረክብ ንዝብል ዘሎ ዘይኮነስ ነዚ ጥሒሱ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣካል እዩ።” ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

“ኣብዛ ሃገር ክውቀጥ ዝግብኦ እንተሃልዩ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ ህዝቢ ንዝመረፆ መንግስቲ ስልጣን ነረክብ ንዝብል ዘሎ ዘይኮነስ ነዚ ጥሒሱ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣካል እዩ።” ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝተመሓየሹ ውሳነታት ኮማንድ ፖሰት መኸተ ኮረና ቫይረሰ ትግራይን መረፃ 2012 ዓ/ም ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብረሂ ምርጫ ንምክያድ ክውስን እንከሎ ንኮረና ቫይረስ  ኣቕሊሉ ብምርኣይ ዘይኮነስ ንናይ ህዝቢ ውሳነን ንሕገ-መንግስትን ተገዛኢ ብምዃኑን እዩ ኢሎም።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣በብዓመቱ 5 ጉንቦት፣ ንዝኽበር መዓልቲ ገበርቲ ሰናይ፣ እንኳዕ፣ ብሰላም ኣብፀሐኩም ዝብል ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ፣ንኹሉኹም ትካላትን ውልቀ ገበርቲ ሰናይን ይገልፅ

ዕለታዊ መልእኽቲ

  ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣በብዓመቱ 5 ጉንቦት፣ ንዝኽበር መዓልቲ ገበርቲ ሰናይ፣ እንኳዕ፣ ብሰላም ኣብፀሐኩም ዝብል ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ፣ንኹሉኹም ትካላትን ውልቀ ገበርቲ ሰናይን ይገልፅ።

  ኣብ ትግራይና ካብ ኣስታት 1970 ዓ/ም ጀሚሩ፣ክሳብ ሎሚ ፣ኩለመዳያዊ፣ ፀገምን ፀውራን፣ ህዝብና ኣብ ምቅላል ዘይተሓለለ ፃዕሪ ገይራ ውፅኢት ዘመዝገበት፣ ኣዶ ህዝብና ዝኾነት፣ ማሕበር ረድኤት ትግራይ(ማረት)፣ ካብ1984 ዓ.ም ጀሚሩ፣ ብቐንዱ ድሕረትን ድንቁርናን ብምጥፋእ፣ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ተደለይቲ ዝኾኑ ዓበይቲ ሙሁራን መናእሰይ ትግራይ ዘፍረየት ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ማልት)፣ ምግባረ ሰናይ ትእምት፣ ንስድራ ስውኣት፣ንዝተፀገሙ ተጋደልቲ፣ ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፍልታትን ናይ ረድኤት ትካላትን እናሓገዘ ዝርከብ፣ ከምኡ ‘ውን ቤት

ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንምምካት መናእሰይ ትግራይ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ዝናኣድ ከም ዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንምምካት መናእሰይ ትግራይ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ዝናኣድ ከም ዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ውድብ ጥዕና ዓለም ኮረና ቫይረስ ኣብ ብረት ነገር ንነዊሕ ሰዓታት ከምዝፀንሕ ብሚዲያ ምስኣፍለጠ መንእሰይ ክብሮም ድማ 20 ሚኢታዊ ካብ ብረት 80 ሚኢታዊ ካብ ፕላስቲክ ገይሩ ብሓደ ግዘ ኣርባዕተ ሰብ ዝጥቀመላ መሕፀቢ ኢድ ማሽን ከምዝሰርሖ ገሊፁ፡፡

ከይተደናገፅና ተሰጣጢምና ኣብ ሰለስተ ግምባራት ዓሲልና ንመክት!!

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
===============================================

ከይተደናገፅና ተሰጣጢምና ኣብ ሰለስተ ግምባራት ዓሲልና ንመክት!!

ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ /ኮቪድ 19/፣ ኩለመዳያዊ ስግኣት ዓለምና ካብ ዝኸውን መበል 6ይ ወርሑ ሒዙ ኣሎ፡፡ እዚ ቀዛፊ ሕማም፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኹርንዓት ዓለምና ተላቢዑ ክሳብ 30 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም፣ ብብርኪ ዓለም ልዕሊ 3.8 ሚልዮን /ልዕሊ ሰለስተ ነጥቢ ሸሞንተ ሚልዮን/ ህዝቢ በቲ ሕማም ተጠቒዑ ኣሎ፡፡