Monthly Archives: September 2020

Congratulations!!

Congratulations!!

To the international community, all peace loving people and democratic forces in all corners of the globe.

The Tigray people, hands-in-glove, with the tigray national regional state, are caring out their 6th round regional election. This election is vital for the tigray people, because it reassures, the destiny and their self determination.
Viva for the tigray people!!!

Tigray communication affairs bureau
09 September 2020
mekelle

ቀዳማይ ወያነ! እምነ ሰረት፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ!!

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ
===================================
ቀዳማይ ወያነ! እምነ ሰረት፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ!!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ፣ ሃርበኛታት ኣዴታትናን ኣቦታትናን፣ ደቂ ትግራይ፣ ቃልሲ ኣንፃር ስርዓት መስፍንነት ዝወልዕዎ፣ መበል 77 ዓመት ቀዳማይ ወያነ፣ ኣብ እንዝክረሉ ፅባሕ፣ ድሕንነትን መንነትን ትግራይ ውሑስ ንምግባር፣ 6ይ ክልላዊ መረፃ ምክያድና ንኹሉ ትግራዋይ ተወሳኺ ሓዱሽ ታሪኽ ምፅሓፍን ድርብ ዓወት ዘግህድን እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ እንኳዕ ንዝኽሪ መበል 77 ዓመት ቀዳማይ ወያነ፣ ብሰላም ኣብፀሐኩም! ኣብፀሐና! ዝብል ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ብሽም ህዝቢ ትግራይ፣ እንተመሓላልፍ፣ዝላዐለ ሓበንን ክብርን ይስመዖ፡፡

5ይ ዘበን 10ይ ህፁፅ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክልተ ዓበይቲ ውሳነታት ብምትሕልላፍ ተዛዚሙ

5ይ ዘበን 10ይ ህፁፅ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክልተ ዓበይቲ ውሳነታት ብምትሕልላፍ ተዛዚሙ።

1, ለበደ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ከም ክልል ዛጊድ ኣብ ህፁፅ ኣዋጅ ከምዝነበርና ዝዝከረ ኮይኑ ሐዚ ዉን እቲ ለበዳ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተላበዐ ይኸይድ ብምህላዉ ካብ 30 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ንዝቅፅል 4 ወርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክናዋሕ ብ 1 ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዛሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

2, ስራሕ ፈፃሚ ብ/ክ/መ/ትግራይ ፃውዒት ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ስዒቡ ዘውፀኦ መግለፂ ብዝርዝር ብምምይያጥ፣ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ኣጀንድኡ ዘይፍለጥ ኣኼባ ፌደሬሽን፣ ንህዝብ ትግራይ ወኪሎም ዝሳተፉ ኣባላት ፌዴሬሽን ቤት ምኽሪ ኣብዚ ታሪኻዊ ስሕተት ዝፈፀመሉን ዓዲ ዝብትንን ፃዉዒት ኣኼባ ከይሳተፉ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብዝምልከት ዝወፀ መግለፂን ውሳነን ስራሕ ፈፃሚ ብ/ክ/መ/ትግራይ

ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብዝምልከት ዝወፀ መግለፂን ውሳነን ስራሕ ፈፃሚ ብ/ክ/መ/ትግራይ

ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ መበል 6ይ ዙር ክልላውን ከባብያውን መረፃ 2012ዓ/ም ብ/ክ/መ//ትግራይ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ከምኡ እውን ሕገ መንግስቲ ብ/ክ/መ/ትግራይ እዋኑ ሓልዩ ንኽካየድ ብምውሳኑ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክልልና ግቡኦምን ብፅሒቶምን ኣብ ምውፋይ ይርከቡ። ኣብዚ እዋን ቅድሚ መረፃ ክፍፀሙ ዘለዎም ኩሎም ናይ ቅድመ መረፃ ምንቅስቓሳት ሕግን ስርዓትን ተኸቲሎም እናተዛዘሙ ስለዝርከቡ ዝቐሪ መረፃ ምክያድን ብውሳነ ህዝቢ መንግስቲ ምምስራትን ይኸውን።

ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህዝቢ መምረፂ ካርዲ ኣውፂኡ

ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህዝቢ መምረፂ ካርዲ ኣውፂኡ

ኣርባዕተ ጳጉሜን ንዝካየድ 6ይ ክልላዊ መረፃ ትግራይ ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህዝቢ መምረፂ ካርዲ ከምዘውፀአ ቤትፅሕፈት ኮምሽን መረፃ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮምሽን መረፃ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን ኣይተ ኣቤል ጉዑሽ ከምዝሓበርዎ፣ ኣብ ፍሉይ ምዝገባ መዓልቲ 24 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ሰለስተ ዞባታት ከይሓወሰ 25 ሽሕን 79 ወገናት ምስ ስሩዕ እዋን ምዝገባ ተደሚሩ 2 ሚልዮንን 733 ሽሕን 588 ህዝቢ መራሕቱ ንምምራፅ ብሰለማዊ መንገዲ ካርዲ ኣውፂኡ፡፡

በብምዕራፍ ፣ ሓዱሽ ታሪኽ ምምዝጋብ ባህሉ ዝገበረ፣ ህዝብና ሒዝና ንቕድሚት ክንምርሽ ኢና!!

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
======================================
በብምዕራፍ ፣ ሓዱሽ ታሪኽ ምምዝጋብ ባህሉ ዝገበረ፣ ህዝብና ሒዝና ንቕድሚት ክንምርሽ ኢና!!

ሕገ-መንግስትን፣ልዕልና ሕግን ንክኽበር፣ ሉኣላዊ ስልጣን ህዝቢ ክረጋገፅ፣ ኩለ መዳያዊ መስዋእትነት ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ፣ ሕማም ኮሮና ቫይረስ እናተኸላኸለ፣ መረፃ ካርዲ ምውሳድ ጥራሕ ከይኮነስ፣ 6ይ ክልላዊ መረፃና፣ ሰላማዊ፣ ነፃ፣ ግልፂ፣ ኣሳታፊ፣ ዲሞክራሲያዊ፣ ሕጋዊን ተኣማኒን ኮይኑ ንኽዛዘም ዝገብሮ ዘሎ ንጡፍ ተሳትፎ፣ ህዝብና ድሌቱ እንታይ ምዃኑ ንፈታውን ፀላእን ብጋህዲ ኣርእዩ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተሰመዖ ክብሪ ዝለዓለ ምዃኑ ይገልፅ።