Monthly Archives: October 2020
ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጎና ጎኒ ምክልኻኻል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምዕፃድን ምእካብን ዝባፅሑ ዝራእቲ ፅጉማት ኣረጋውያን ሓረስቶት ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣፍሊጡ


Message from president of the national regional state of Tigray, dr. Debretsion g.mikael,based on the existing situation of the country, to all international community,

Message from president of the national regional state of Tigray, dr. Debretsion g.mikael,based on the existing situation of the country, to all international community,
October 26/2020
መንግስቲ ትግራይ ሕዚ ኣብ ሃገር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ዝተፈጠረ ቅልውላው ኣመልኪቱ ናብ ልዕሊ 70 መራሕቲ ሃገራት ዓለም ደብዳቤ ፅሑፉ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረ ሚካኤል ንልዕሊ 70 መራሕቲ ሃገራት፡ዞባውን ዓለምለኻዊ ውድባትን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክከታተሎ ደብዳቤ ሰዲዶም።
እቲ ንማሕበረሰብ ዓለም ዝተዘርገሐ ደብዳበ መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ኣብ ዝምደብ በጀት ብምኽልካል መሰረተ ልምዓትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክቋርጽ እንተፈቲኑ ኣብ ሰላምን ሓድነትን እታ ሃገር ሓደገኛ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ ኣፍሊጡ።
ንህልው ኩነታት ኣመልኪቱ ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ቅዋም

ንህልው ኩነታት ኣመልኪቱ ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ቅዋም
ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ተቖፃፂሩ ዘሎ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ሓይሊ “ታሪኽ ንባዕሉ ይደግም” ከም ዝብሃል ግፍዕታት ዘውዳውን ወተሃደራውን ስርዓታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ብሓንቲ እናደገመ ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ምስ ሓይልታት ወፃኢ እንከይተረፈ ተሻሪኹ መዋፅኢ ቂም ፅልኢ ስርዓት ኢሳያስ ንምግባር ልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ዝበፅሕ ክሕደትን በደልን ይፍፅም ኣሎ።
Statement from the National Regional Government of Tigray Regarding Current Affairs Statement of Position

ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ንወ/ሮ ሃረጉ ጎበዛይ ተዓዋቲት “IMPACTFUL RURAL WOMEN IN AGRICULTURE AWARD” ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኪ

ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ንወ/ሮ ሃረጉ ጎበዛይ ተዓዋቲት “IMPACTFUL RURAL WOMEN IN AGRICULTURE AWARD” ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኪ
““““““““““““““““““““““““““““““`
“ዝኸበርኪ ወ/ሮ ሃረጉ ጎበዛይ፣ ብዘይሕለል ስራሕን ፃዕርን ኣብ ዝተዋፈርክሉ ዓውደ ሕርሻ ብዘርኣኽዮ ጭቡጥ ለውጢ ተዓዋቲት IMPACTFUL RURAL WOMEN IN AGRICULTURE AWARD ክትኮኒ ብቒዕኺ ኣለኺ፣እንኳዕ ደስ በለኪ፣ደስ በለና።
በዚ ኣጋጣሚ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እውን ኣሰር ወ/ሮ ሃረጉን ካልኦት ሰብ ብሉፃት ተሞኩሮን ብምስዓብ፣ ብስራሕን ፃዕርን ዘይብፃሕ ብርኪ ዕብየት ከምዘየለ ብምርዳእ ኣብ ዝተዋፈርክናሉ ዓውደ ስራሕ ለይትን ቀትርን ብምስራሕ ለውጢ ክተመዝግባ ይፅውዕ።”
ዘራእቲ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ከይብላዕ ስራሕቲ ምእካብ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ሓቢሩ ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ ፀብፂቡ

ዘራእቲ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ከይብላዕ ስራሕቲ ምእካብ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ሓቢሩ ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ ፀብፂቡ፡፡
ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ እንደርታ ኣይተ ፀጋይ ገ/ተክለ ከም ዝሓበርዎ መከላኸሊ ሃገር 4ይ መከናይዝድ ክፍለ ጦር፣ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ፣ ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 70 እንደርታ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወረዳ እንደርታ፣ ማክዳ ጋርመንት: ቢሮ ደአንትን ማኒፋክቸሪንግ ክልል ትግራይን አብ ጣብያ መንበረ ቁድሳንን ፈለገ ሰላምን ብዝተዋደደ ወፍሪ ዓፂድ የካይዱ ኣለዉ ኢሎም፡፡
መናእሰይ ሞተርን ቀላስን ናይዚ መድረኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ!

መልእኽቲ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
====================================
መናእሰይ ሞተርን ቀላስን ናይዚ መድረኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ!
ናይ ርሑቕ ይኹን ናይ ቀረባ ታሪኽ ትግራይ እንትንምርምር፣ ነብሲ ወከፍ መንእሰይ ትግራይ ኣብ በቢምዕራፉ ነናይ ባዕሉ ክታም ኣምቢሩ’ዩ። ስለዚ እዛ ናይ ሎሚ ትግራይ ከይዲን ውፅኢትን ተጋድሎ መንእሰይ ትግራይ እያ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ስለዝኾነ እውን መንእሰይ ትግራይ ዝልለየሉ ንድሕንነትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ብፅንዓት ዝጋደልን ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ህይወቱ ኣሕሊፉ ንምሃብ እውን ጋእ መጋእ ዘይብልን ምዃኑ እዩ።
ጎና ጎኒ ምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ዘራእቲ ምእካብ ከም ዘድሊ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣፍሊጡ፡፡

ጎና ጎኒ ምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ዘራእቲ ምእካብ ከም ዘድሊ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣፍሊጡ፡፡
ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ምስ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ወረዳ ኣሕፈሮም ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ አሕፈሮም ጣብያ እንዳማርያም ዝተመሓየሹ ዓሌታት ስርናይ ብስፍሓት ስራሕቲ ምፍላጥ እናካየደ ከም ዝርከብ እቲ ምርምር ማእኸል ኣብ ድህረ ገፁ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣረዲኡ፡፡
ብምርምር ዝወፁ ዓሌታት ስርናይ ኦጎልቾ (ንእኹል ጠሊ ዘለዎም ከባቢታት ዝኸውን ዓሌት)፣ መቐለ-1(ንሕፅረት ጠሊ ዘለዎም ከባቢታት ዝኸውን ዓሌት ስርናይ) ኣብ ወረዳ አሕፈሮም ጣብያ እንዳማርያም ኣብ 62 ሓረስቶት ኣብ 15.75 ሄክታር ስፍሓት መሬት 23.27 ኩንታል ሙሩፅ ዘርኢ ብምቅራብ ተስፋ ዝህብ ስራሕ ከም ዝሰርሐ እቲ ምርምር ማእኸል ሓቢሩ፡፡
ኣብ ትግራይ፣ ትምህርቲ 12 ክፍሊ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣብ ትግራይ፣ ትምህርቲ 12 ክፍሊ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሩ
“““““““““““““““““““““““““““““““““““`
ኣብ ትግራይ ምጅማር ትምህርቲ 12 ክፍሊ ኣመልኪቱ ብደረጃ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትርን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ዝተመርሐ ጉጅለ ሎሚ 09 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዑደት ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ ዑደት ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኢንጅነር ገ/መስቀል ካሕሳይን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልልን ዞባን ዝተረኸቡ እንትኾኑ እተን ዑደት ዝተገበረለን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ወልዱ ንጉስ ኲሓ፣ ኒኮላስን ዓዲ ሓቅን መቐለ እየን።