ብሚንስትር ዓለም ለኻዊ ትሕብብር ልምዓት ኖርወይ ዳግ- ኢንጀይልስተይን ዝምራሕ ልኡኽ ሎሚ እታ ሃገር ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ድጋፍ ኣብ ትገብረለን ከባብታት ትግራይ ዑደት ኣካይዱ፡፡

ብሚንስትር ዓለም ለኻዊ ትሕብብር ልምዓት ኖርወይ ዳግ- ኢንጀይልስተይን ዝምራሕ ልኡኽ ሎሚ ኣብ ክፍለ ከተማ ኩሓ ቤት ትምህርቲ ኪሮስ ገሰሰ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ /ደኒ/ ጣብያ ገረብ መሞና ወረዳ እንደርታን ጣብያ ቤትማራ ወረዳ እምባ ኣላጀን ዑደት ኣካይዱ፡፡

እቲ ልኡኽ ብመንግስቲ ኖርወይ ዝወሃብ ድጋፍ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኣብ መዓልኡ የውዕልዎ ከምዘለዉ ምስ ተጠቀምቲ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ኣረጋጊፁ፡፡ እዚውን መንግስቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ቀንዲ ትኹረቶም ኣብ ልምዓት ምዃኑ ዘርኢ እዩ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ቀፃሊውን ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም፡፡ እቶም ነበርቲ ድማ መንግስቲ ኖርወይ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ብምንኣድ ነቶም ዑደተኛታት ባህሊ እቲ ከባቢ ዝገልፅ ኽዳን ኣበርኪቶም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *