ምጥንኻር ምሕዝነት ኣሓት ከተማታት ጀርመናዊት ጐታን ከተማ ዓድዋን፡፡

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ምስ ብኣምባሳደር ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ጀርመን ብሪታ ዋግነር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዙርያ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ትግራይን ከምኡ ድማ ኣብ ሞንጐ ጀርመናዊት ከተማ ጐታን ከተማ ዓድዋን ዘሎ ምሕዝነት ንምጥንኻር ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘትዮም፡፡

 

ምሕዝነት እተን ከተማታት ዓድዋን ጐታን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተጀመረ ምዃኑ ዝገለፁ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣተሓባቢሮም ናብ ትግራይ ዝመፁ ሓላፊ ማሕበር ምሕዝነት ዓድዋ ጐታ ሚስተር ፒተር ላይስነር፤ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውደ ስራሕቲ ብመጠኑ እናተሓጋገዛ ከም ዝመፃ ብምግላፅ ብቐፃሊ ክስርሑ ዝግብኦም ጉዳያት ንምዝታይን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምውጋንን ከም ዝመፁ ተዛሪቦም፡፡

 

እቶም ኣባለት ጉጅለ ልኡኽ ሐዚ ንምምፃእ ዝመፅእሉ ምኽንያት ጎኒ ጎኒ ዝሰርሕዎ ስራሕቲ ምትሕግጋዝ ዓወት ዓድዋ ንምኽባር እውን ከምዝኾነ ኣምባሳደር ብሪታ ገሊፀን፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *