“በዓል ዓወት ዓድዋ ናይ ቡዙሃነትናን ሓድነትናን ህያው ማህተም እዩ፡፡”

20/06/2011 ዓ.ም
============
ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ክልል ትግራይ ምስ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝም ብሓባር ብምዃን መበል 123 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ 23 ለካቲት 2011ዓ.ም ”በዓል ዓወት ዓድዋ ናይ ቡዙሃነትናን ሓድነትናን ህያው ማህተም እዩ” ብዝብል መሪሕ ቃል ንምኽባር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ክልል ትግራይ ወ/ሮ ብርኽቲ ገ/መድህን ገሊፀን ፡፡

ጣሊያን ኢትዮጵያ ንምግዛእ ሓይሉ ኣጠናኺሩ እንትመፅእ ኢትዮጵያውያን ብባዕዳውያን ፀላእቲ ኣይንግዛእን ብምባል ብዘካየዶ ቃልሲ ፀላኢ ካብ ሃገርና ለቒቑ ክወፅእ ኪኢሉ እዩ፡፡እዙይ ክገብሮ ዝከኣለ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ብምጥንካሩን ህዝብና ተሪሩ ክቃለስ ብምኽኣሉን እዩ ኢለን፡፡

ዓወት ዓድዋ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሳተፍሉን ባዕዳውያን ፀላእትና የሻል ዘበልናሉን ንካልኦት ናይ ኣፍሪካ ዓድታት መርኣያ ዝኾነን ኩርዓት ፀለምቲ ታሪኻዊ በዓል ምዃኑን እተን ሓላፊት ወሲኸን ገሊፀን ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *