መንግስቲ ትግራይ ኣብ ስሕበት ኢንቨስትመንት፣ መሰረተ ልምዓት፣ ዲፕሎማሲ፣ስራሕቲ ምድላው ኣብ ሃገርና ን4ይ ግዘ ዝግበር ህዝቢ ቆፀራን ኣብ ጉዳይ ሰላምን ኣድሂቡ ሰፊሕ ስራሕ እናሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ዕለት 22/06/2011 ዓ.ም
===============
መንግስቲ ትግራይ ኣብ ስሕበት ኢንቨስትመንት፣መሰረተ ልምዓት፣ ዲፕሎማሲ፣ስራሕቲ ምድላው ኣብ ሃገርና ን4ይ ግዘ ዝግበር ህዝቢ ቆፀራን ኣብ ጉዳይ ሰላምን ኣድሂቡ ሰፊሕ ስራሕ እናሰርሐ ምዃኑ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ገሊፀን፡፡

ወ/ሮ ሊያ ካሳ ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ክልልና ኣድሂቡ ሎሚ ዕለት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ 786 ኢንቨስተራት ናብ ትግራይ ንምእታው ተተሊሙ 877 ኢንቨስተራት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ምንቅስቓስ እናተገበረ እዩ ኢለን ፡፡

10 ቢልዮን መጠን ካፒታል ኣብ ትግራይ ኢንቨስት ንምግባር ተተሊሙ ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ዘሎ ንስራሕ ዝምቹ ሰላማዊ ሃዋህው ልዕሊ 26 ቢልዮን ካፒታል ዝወነኑ ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስት ክገብሩ ከም ዝኣተዉ ወ/ሮ ሊያ ወሲኸን ገሊፀን፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *