መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ዘበን ብብርኪ ዓለም ንመበል 108 ጊዜ ብብርኪ ሃገር ድማ ንመበል 43 ግዜ ክኽበር እዩ

26 ለካቲት 2011 ዓ.ም
 
ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣነስትዮ ማርች 8 “ዝለዓ ትኹረትን ቆራፅነትን ንሰላምናን ሓድነትናን ብምሃብ ኩለመዳይ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ነረጋግፅ” ብዝብል ቴማ ንምኽባር ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ አነስትዮ ክልል ትግራይ ዶ/ር የትምወርቅ ገ/መስቀል ገሊፀን፡፡

 
ዶ/ር የትምወርቅ ገ/መስቀል ሎሚ ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ብምርካቡ መዓልቲ ደቂ ኣነስትዮ (ማርች 8) ሎሚ ዘበን ብብርኪ ዓለም ንመበል 108 ጊዜ ብብርኪ ሃገር ድማ ንመበል 43 ግዜ ክኽበር እዩ፡፡
 
ናይ ሎሚ ዘበን ቴማ ትርጉም ፍልይ ዘብሎ ፅንፈኛታት ህዝቢ ትግራይ ህይወት ኣሽሓት ደቁ ገቢሩ ምስ ኣሓት ውድባት ብምዃን ዝነደቖ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉ እዋን ምዃኑ እዩ ፡፡
 
ውሑስ ሰላምን ሓድነትን ቀፃልነት ንክህልዎ ልዑል ትኹረት ሂብና እዛ በዓል ምክንያት ብምግባር ኩለመዳይ ተጠቃምነት ደቂኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከባ ዶ/ር የትምወርቅ ገ/መስቀል ወሲኸን ገሊፀን፡፡
 
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *