ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ንዝተፈፀመ ገበን ቕትለት ተምሃራይ ብዕሊ ኾኒኑ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ሎሚ ንጋዜጠኛታት አብ ዝሃቡዎ መግለፂ ፤ብዘጋጠመ ሞት ተምሃራይ ዩኒቨርስቲ ዝተሰምዖም ዓሚዩቕ ሓዘን ብምግላፅ ንስድራ ፣ መሓዙትን ፈተውትን ፅንዓት ተመንዮም።

ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ መግለፂኦም ” ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣሚኑ ኣብ ልዕሊ ዝመፀ ተምሃራይ ከምዚ ዝበለ ተግባር ምፍፃሙ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ክኹነን ዘለዎን ተግባር እዩ።” ኢሎም።

“ሰብ ብመንነቱ ምጥቃዕ ናይ ተጋሩ ባህሪ አይኮነን ፤ እዚ ፀረ ባህልና እዩ፡፡ ሰብ ብሰብነቱ እዩ ዝኽበር፡፡ እዚ ዝፈፀሙ ሰባት ንተጋሩ አይውክሉን፡፡ ሰብ ስለዝተቐተለ ብፀብፃብ ሰብ አይንቐትልን፡፡ እዚ ናይ ሰነፋትን ድኹማትን እዩ፡፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ እውን እዩ”ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ፤ዓዲ ዝማዕበለ ኣተሓሳስባ ፣ልምድን ባህልን ዝወነነ ማሕበረሰብን ሕግን ዝኾነት ትግራይ መቐለዲት ብስምዒት ዝምርሑን ድኽመት ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ውልቀሰባት ከም ዘይትኸውን ኣፍሊጦም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብዝተፈፀመ ተግባር ከም ውልቀ ከም ዝሓፈሩሉ ብምግላፅ፤ከም መንግስቲ ግቡእ ስጉምቲ ንኽውሰድ ከም ዝሰርሕ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብሪሆም ።

አብ ልዕሊ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲ መንግስቲ ትግራይ ብዕሊ እናኾነነ ምምፅኡ ዝፍለጥ ኾይኑ አብ ደብረማርቆስ ሓዊሱ አብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እዛ ሃገር አብ ልዕሊ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲን ካልኦትን ንዝተፈፀሙ ብሄር መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትን መቕተልትን ዛጊድ አፍልጦ ሂቡ ዝኾነነ ዝምልከቶ መንግስቲዊ ኣካል ከም ዘየለ ይዝከር።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ:28 ጉንበት 2011 ዓ/ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *