አምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ትግራይ ማእኸል ኢንቨስትመንት ትኸውን ከምዘላ ገሊፆም

አምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ትግራይ ማእኸል ኢንቨስትመንት ትኸውን ከምዘላ ገሊፆም።

ኣምባሳደራት ባንግላድሽ፡ ካዛኪስታን፡ ስሪላንካ፡ ቱርክን ኢንዶነዥያን  ኣብ ፕሮጀክት ኬሚካል ኢንጅነሪንግ ደጀና ዑደት ኣካይዶም። ብዘዕባ ከይዲ ህንፀት እቲ ፋብሪካ ብላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ፕሮጀክት ገለፃ ተገይርሎም።

 

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት 2010 ብዓ/ም ብ210ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ከይዲ ህንፀቱ ክዛዘም ትልሚ ተታሒዝሉ እኳ እንተነብረ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ሃገርና ብዝተወለዐ ፖለቲካዊ ቅልውላው ስዒቡ ብዘጋጠመ ሕፅረት ሽርፊ ወፃኢ ዛጊድ ህንፀቱ 60 ምኢታዊ በፂሑ ከምዝርከብ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ።

ይኹን እምበር እቲ ዘጋጠመ ሕፅረት ሽርፊ ወፃኢ ሐዚ እውን ክቕረፍ ብዘይምኽኣሉ ከይዲ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ጠጠው ዝብለሉ ዕዱል ስፊሕ ከምዝኾነ ምክትል ኣካያዲ እቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ጌታሁን ገ/ህይወት ነቶም ኣምባሳደራት ኣብሪሆምሎም። እቶም ኣምባሳደራት እውን እቲ ፋብሪካ ኣብ ቁጠባ ሃገር ዘለዎ ግደ ልዑል ምዃኑ ክርድኡ ብምኽኣሎም ንክዛዘም ክንዲ ዝከኣሎም ሓገዝ ከምዝገብሩ ቃል ኣትዮም።

ንክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ከሳልጡ ዝፀነሑ ኣምባሳደራትን ተወከልትን ዝተፈላለያ ሃገራት ፤ ሃገራት እቶም ኣባሳደራት ምስ መንግስቲ ትግራይ ኢኮኖሚያዊ ረክቢ ብምሕያል ኣብ ቱሪዝም ፣ኣብ ሕርሻን ኣብ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ትኹረት ገይሮም ኣብ ትግራይ ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዎም ሎሚ 24 መስከረም 2012 ዓ/ም ምስ ክቡር ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ዝገበርዎ ሓበራዊ ልዝብ ገሊፆም፡፡

ዶ/ር ደብረፅዮን ብወገኖም ትግራይ ንምችውነት በፃሕቲ ዓድን ዕድላት ስራሕቲ ዓበይቲ ኢንቨስትመንት ጥጡሕ ባይታ ዘለዋ ክልል ስለዝኾነት ሰብ፡ሃፍትን በፃሕቲ ዓዲ እዘን ሃገራትን ትኹረቶም ናብ ትግራይ ንኽገብሩ ፀዊዖም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *