ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝራእቲ ዘብፅሖ ሓደጋ ንምክልኻል ብፍላይ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃት ሓሮስቶት ንምሕጋዝ ኣብቲ ወፍሪ ንኽሳተፋ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝራእቲ ዘብፅሖ ሓደጋ ንምክልኻል ብፍላይ  ተምሃሮ  ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን  ኮለጃት ሓሮስቶት ንምሕጋዝ ኣብቲ ወፍሪ ንኽሳተፋ  ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ  ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡ 

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ  ኣይተ ባህታ ወ/ሚካኤልንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ   መግለፂ ብፍላይ ኣብተን ዕስለ ኣምበጣ ተራእዩወን ዘሎን ስግኣት ዘለወንን ከባብታት ዝርከቡ ተምሃሮ ካልኣይ ብርክን ኮሌጅን፣ ትምህርቲ ኣቋሪፆም ናብቲ ብግዱሳት መናእሰይን ነበርትን ዝተጀመረ ወፍሪ ንክፅምበሩ ኣብ ውሳነ ከምዝተበፅሐ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ባህታ ወ/ገብርኤል ገሊፆም።

ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ዕስለ እንተተራእዩ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ይኹን ካልኦት ከባብታት ዘለዉ ተምሃሮ ከከም ኩነታቱ እናተርኣየ ብፃውዒት ክሳተፉ ከምዝግበር እቶም ምክትል ቢሮ ሓላፊ ኣረዲኦም።

ትምህርቲ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ እንትቋረፅ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ዘሕድሮ ፅልዋ ግልፂ እኳ እንተኾነ እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝራእቲ ከቢድ ጉድኣት ከብፅሕ ስለዝኽእል ንዕኡ ቅድሚያ ምሃብ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ ድማ ኢሎም።

እቲ ዝቋረፅ ትምህርቲ እውን ካብ ስሩዕ ናይ ትምህርቲ ግዜ ወፃኢ (ቀዳምን ብተፃራሪ ሽፍትን) ንምክሕሓስ ትልሚ ተታሒዙ ምህላዉ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

ብዘይካ እዚ እቶም ተምሃሮ ነቲ ዕስለ ኣምበጣ ንምብራር ካብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብተወሳኺ ዝራእቲ ዓቕሚ ዘይብሎም ሓረስቶት ኣብ ምእካብ እውን ናይ ባዕሎም እጃም ከወፍዩ ተሓሳቢ ከምዝተገበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ወፍሪ ተምሃሮ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልትታት ማለት እውን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ዝመፅእ ዘሎ ቀዳም ተግባራዊ ዝግበር ኮይኑ ኩነታት እቲ ዕስለ እናተርኣየ ዝውሰኽ መዓልቲ እውን ክህሉ ከምዝኽእል ተገሊፁ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *