ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ ገረብ ግባ መቐለ፣ ቀዳማይ ምዕራፍ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ስራሕቲ ምዕፃው ሓመድ ተሳሊጡ

ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ ገረብ ግባ መቐለ፣ ቀዳማይ ምዕራፍ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ስራሕቲ ምዕፃው ሓመድ ተሳሊጡ፡፡

ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ ገረብ ግባ መቐለ፣ ቀዳማይ ምዕራፍ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ስራሕቲ ምዕፃው ሓመድ፣ 8 መጋቢት 2012 ዓ/ም፣ ላዕለዎት ሓላፍቲ ቢሮን ዝተፈላለዩ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ዕለት ዝተረኸቡ ክቡር ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ከምዝበልዎ፣ እቲ ፕሮጀክት ብፅሬትን ቅልጣፈን ብምስራሕ እንተተኻኢሉ ኣብ ዝሓፀረ ግዜን ቀዲሙን፣ እንተዘይኾኑ ድማ ኣብቲ ዝተተለመሉ ግዜ ተወዲኡ ንህዝቢ መቐለ ካብ ሕፅረት ማይ ንምንጋፍ ብዕቱብ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

  ሎሚ ዝመፃእና ቀዳማይ ምዕራፍ መኽፈቲ ስነ ስርዓት እምበር እቲ ስራሕ ገና እዩ ድሕሪ ምባል፤ እቲ ግድብ ንምስራሕ ኣብ ትግራይ ሕፅረት ባጀት ከም ዝነበረን ነዚ መፍትሒ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝኽፈል ልቓሕ ካብ መንግስቲ ፊደራል ብዝተረኸበ ገንዘብ ከም ዝተጀመረ ሓቢሮም፡፡

ነዚ እውን ብዙሕ ኣፀገምቲ ነገራት ሓሊፍና ቀደማይ ምዕራፍ ንምኽባር በፂሕናን ካብዚ ሓሊፍ እውን ካብቲ ከባቢ ነቲ ግድብ ንምስራሕ ተባሂሉ ብርክት ዝበሉ ሓረስቶትን ብመስኖ ዝመሓደሩ ሕብረተሰብ ከም ዝለቐቑን ኩነታት ካሕሳ ድማ ኣብ ምምችቻው ከም ዘሎን ድሕሪ ምሕባር፣ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ከም ዝውሃቡ  ዶ/ር ደብረፅዮን ሓቢሮም፡፡ እቲ ግድብ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ተወዲኡ ግልጋሎት ንክህብ ድማ ግደ ኩላትና እዩ ዝበሉ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልልና ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ ምኽንያቱ እቲ ግድብ ካብ መቐለ ሓሊፉ ንኻልእ ከባቢታት ዝተፈላለዩ ረብሓታት ከምዝህብ  ኣገንዚቦም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ኢንጅነር ቴድሮስ ገብረዝጊሄር ብግደኦም፣ እቲ ግድብ ንኻልኦት ግድባት ሞዴል ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ክልተ በዓትታት ከምዝተሰርሓን እቲ ስራሕ ብፅሬትን ቅልጣፈን ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም እዮም፡፡ እቲ ግደብ ካብ ግልጋሎት ፅሩይ ዝስተይ ማይ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኮንስትራክሽ ስራሕቲ ንመንኣሰይ ስራሕ ፈጠራ ድማ ልዑለ ግደ ከምዘለዎ እቶም ሓላፊ ጠቒሶም፡፡ እቲ ግድብ ብብር ልዕሊ ትሽዓንተ ቢልዮን ዝህነፅን፣ ቁመቱ 84 ሜትሮ፣ ጠቕላላ ዝሕዞ መጠን ማይ ድማ 362 ሜትር ኩብ እቲ ግድብ ኮይኑ ግልጋሎቱ ምስ ወደአ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ፅሩይ ግልጋሎት ዝስተ ማይ ከም ዝህብ ምስኣረድኡ፣ ካብዚ ሓሊፉ ንመቐለ ዝተፃረየ ማይ ኣብ መዓልቲ 124,000 ሜትር ኩብ ግልጋሎት ፅሩይ ዝስተይ ማይ ከም ዝህብ ኣገንዚቦም፡፡ ግድብ ገረብ ግባ 13 መስከረም 2012 ዓ/ም ህንፀቱ ዝጀመረ ምዃኑ ይዝከር።

                   ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

                           መቐለ፡- 08 መጋቢት 2012ዓ/ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *