ኣብ ትግራይ ብዝተገብረ ምርመራ 4 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተትሓዙ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣብ ትግራይ ብዝተገብረ ምርመራ 4 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተትሓዙ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቶም ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም 4 ሰባት ኣብ መወሸቢ ዝፀንሑ ኮይኖም ኣርባዕቲኦም ካብ ጅቡቲ ዝኣተዉ እንትኾኑ ሰለስተ ሓገዝቲ ገናሒ መኪናን ሓደ ገናሒ መኪናን እዮም።

ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ዘለው 4 ሰባት ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፅኡ እንትኾኑ፤
1. ወዲ 33 ዓመት ገናሒ መኪና
2. ወዲ 28 ዓመት ተሓጋጋዚ ገናሒ
3. ወዲ 25 ዓመት ተሓጋጋዚ ገናሒ
4. ወዲ 24 ዓመት ተሓጋጋዚ ገናሒ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ዛጊድ ኣብ ትግራይ ኣብ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ስራሕ መኸተ እናተሳለጠ ምፅነሑ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጎሰ ጎድፋይ ጎና ጎኒ ምርመራ 608 ሰባት ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡

ካብዚኣቶም እቶም 268 ሰባት ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፁ ኮይኖም ኣብ ደሞም እቲ ቫይረሰ ዝተረኸቦም 4 ሰባት መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መወሸቢ ዝነበሩ እዩም።

ከም ሓበሬታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ እቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ምስኦም ዝተራኸቡ ሰባት ኣሊሽካ ናብ መወሸቢ ክኣትው ምንቅስቓስ ይግበር ከም ዘሎ እውን ተገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *