ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮዽያ ቅርንጫፍ ትግራይ ምስ ማሕበራት ታክስን ባጃጅን ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ደም ልገሳ ኣካይዶም

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮዽያ ቅርንጫፍ ትግራይ ምስ ማሕበራት ታክስን ባጃጅን ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ደም ልገሳ ኣካይዶም፡፡

እቲ ስነ ስርዓት ልገሳ ደም ብምኽንያት ብሃገር ብርኪ ንመበል 63 ግዜ 30 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ዓለም ለኸ ማዓልቲ ቐይሕ መስቀልን ቐይሕ ወርሕን ኣብዚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ዝተኸበረ እንትኾን፣ዕላምኡ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዴታት ብምኽንያት ሕፅረት ደም ዋላ ሓደ ሰብ ሂይወቱ ንከይስእን ዝዓለመ ከም ዝኾነ ኣቦ መንበር ቦርድ ማሕበር ቐይሕ መስቀል ክልል ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ዘርኣይ ሓቢሮም፡፡

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ካብቶም ንሰብኣውነት ቀዳምነት ዝህቡ ትካላት ካብ ወገንነት ነፃ ከም ዝኾነ ወሲኾም ኣብሪሆም፡፡ሰብ ታክስን ባጃጅን፣ካልኦት ኣብቲ ዕለት ደም ዝለገሱ ብርክት ዝበሉ ክፋል ሕብረተሰብ ንሰብ ምሕጋዝ ሰብ ምዃን እኹል ከም ዝኾነ ተረዲኦም ምሕጋዞም ክምስገኑ ከም ዝግባእን ካልኦት ድማ ኣሰሮም ክስዕቡ ከምዝግባእን ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ ዕለት ካብ ደም ምልጋስ ብተወሳኺ ነቲ ሐዚ ብዓለም ብርኪ እናጨነቐን ህይወት ብርክት ዝበሉ ዜጋታት እናቐዘፈን ዝርከብ ተላባዲ ሕማም ለበዳ ኮረና ቫይረስ መከላኸሊ ዝውዕል ናይ ገንዘብን ንዋትን ደገፍ ዝተበርከተ እንትኾን በዚ መሰረት: ማሕበር ቀይሕ መስቀል ክልል ትግራይ 195 ሽሕ ዝግመቱ ናውቲ፣ካብ ኣባላት ሕዳሰ ማሕበር ታኽሲ 20ሽሕን 850 ብር፣ካብ ኣባላት ማሐበር ታክሲ ለምለም ኩሓ ድማ 20 ሽሕን 700ብር፣ካብ ኣባላት ማሕበር ታክሲ ሓወልቲ ብተወሳኺ 20 ሽሕን 350 ብር ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣረኪቦም፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ድማ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ምክልኻል ሃንደበታዊ ሕማማት ዝኾኑ ዶ/ር ኣቤነዘር ዕፀገነት እንትኾኑ እቲ ዝተበርከተ ሓገዝ ብምምስጋን ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ኮረና ቫይረስ ዝገብሮ ዘሎ ምዝንጋዓት ጠጠው ኣቢሉ ዓርሱ ክሕልው ከም ዝግባእን ቢሮ ጥዕና ብወገኑ ድማ ሰፋሕቲ ምልዕዓላትን ምድላዋትን ይገብር ከም ዘሎ ኣብሪሆም፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *