መንግስቲ ትግራይ ንተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ 15 ሚልዮን ብር ሰሊዑ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ንተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ 15 ሚልዮን ብር ሰሊዑ፡፡
================================

ኣብ 6ይ ክልላዊ መረፃ ትግራይ ንዝነሓንሑ ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ኣርባዕተ ረቛሒታት መሰረት ብምግባር መንግስቲ ትግራይ 15 ሚልዮን ብር ብምስላዕ ናብ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ ኣታዊ ከምዝገበረ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን መረፃ ትግራይ ኣብ ድህረ ገፁ ከምዝሓበሮ፣ መንግስቲ ትግራይ ነቶም ኣብ 6ይ መረፃ ትግራይ ዝነሓንሑ ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ኣርባዕተ ረቋሕታት ማለት ፍትሓውነትን ፍሉይ ኩነታትን 20 ሚእታዊ፣ በዝሒ ሕድሕድ ፖለቲካዊ ውድብ ንመረፃ ዘቕረቦም ሕፁያት 60 ሚእታዊ፣ደቂ ኣንስትዮን ጉዱኣት ኣካልን ናብ ሕፁይነት ዘቕረቡሉ ኩነታት 15 ሚእታውን ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ቤት ምኽሪ ሒዙዎ ዝፀንሐ ወንበርን 5 ሚእታዊ መሰረት ብምግባር ብር 15 ሚልዮን ዝመደቦ ናብ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ ኣታዊ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ካብ መንግስቲ ዝተሰለዐ በጀት ንውድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ ዝረኸብዎ ደገፍ እንትኸውን፣ንምጉልባት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንመጠናኸሪ ውድባት ፖለቲካን ኣብ እዋን መረፃ ንጎስጓስ ምረፁና መደገፊ ተባሂሉ ዝወሃብ ደገፍን ከምዝኾነ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ።

መንግስቲ ንውድባት ፖለቲካ ዝሰልዖ በጀት እቲ ንመካየዲ ስራሕ ኢሉ ዝሃቦ ዝርዝር ፀብፃብ ኣጠቓቕማ ክቐርበሉ ከምዝፅበ ዝገለፀ እቲ ኮምሽን፣እቲ ብዓይነት ንዝድለይ ዝሃቦ ደገፍ ድማ ብዛዕባ ኣጠቓቕምኡ ከምቲ ዝቐረበ ዝርዝር ምዃኑን ዘይምዃኑን ኮነ ኣብ ግቡእ ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ንምርግጋፅ መንግስቲ ኣብ ዳሕራይ እዋን ኦዲት ከምዝገብር ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መሰረት እቲ ንጎስጓስ ምረፁኒ ዝሰለዖ በጀት እንትረአ ንኹሎም ተነሓናሕቲ ፖለቲካ ውድባት ትግራይ ተቐራራቢ ኮይኑ ከምዝተመቐለ ኮሚሽን መረፃ ክልል ትግራይ ኣገንዚቡ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡14 ነሓሰ 2012 ዓ.ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *