ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ልዕሊ 96 ሚእታዊ ህዝቢ ተመዝጊቡ ካርዲ ወሲዱ

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ልዕሊ 96 ሚእታዊ ህዝቢ ተመዝጊቡ ካርዲ ወሲዱ

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ 2 ነጥቢ 6 ሚልዮን ማለት 96.2 ሚእታዊ ህዝቢ ንመረፃ ብምምዝጋብ መምረፂ ካርዲ ከምዝወሰደ ቤት ፅሕፈት ኮምሽን መረፃ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ከምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም 20 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፣ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህዝቢ ንምምዝጋብ ትልሚ ተታሒዙ ኣብቲ ፈላማይ መዓልቲ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚኢታዊ ዝኸውን ከም ዝተመዝገበን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ 2 ነጥቢ 6 ሚልዮን ህዝቢ ተመዝጊቡ ንመረፃ ካርዲ ከምዘውፀአ ገሊፆም።

ኣብ ሓድ ሓደ ናቑጣ መረፃ ዋሕዲ ካርዲ ኣጋጢሙ እኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ተወሳኺ ካርዲ ክባፃሕ ብምግባር ሕብረተሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ካርዲ መረፃ ከውፅእ ከም ዝተገበረ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ሕብረተሰብ ሕገ-መንግስቲ ብዝፈቐዶ መሰረት መረፃ ክፍፅም ኣለዎ ኢሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝገበሮ ሓበራዊ ምርድዳእ እቲ ምዝገባ ዕውት ንምግባር ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም መረፃ ንምፍፃም ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምዃን ሓቢሩ ይሰርሕ ምህላው እቶም ኮምሽነር ተዛሪቦም።

ቢሮ ርክብ ህዘብን መንግስትን ክልል ትግራይ
20 ነሓሰ 2012 ዓ.ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *