ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህዝቢ መምረፂ ካርዲ ኣውፂኡ

ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህዝቢ መምረፂ ካርዲ ኣውፂኡ

ኣርባዕተ ጳጉሜን ንዝካየድ 6ይ ክልላዊ መረፃ ትግራይ ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህዝቢ መምረፂ ካርዲ ከምዘውፀአ ቤትፅሕፈት ኮምሽን መረፃ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮምሽን መረፃ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን ኣይተ ኣቤል ጉዑሽ ከምዝሓበርዎ፣ ኣብ ፍሉይ ምዝገባ መዓልቲ 24 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ሰለስተ ዞባታት ከይሓወሰ 25 ሽሕን 79 ወገናት ምስ ስሩዕ እዋን ምዝገባ ተደሚሩ 2 ሚልዮንን 733 ሽሕን 588 ህዝቢ መራሕቱ ንምምራፅ ብሰለማዊ መንገዲ ካርዲ ኣውፂኡ፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ መረፃ ናፃን ግልፅን ኮይኑ ንኽዛዘም፣ ኣብ ትግራይ 60 ተዓዘብቲ ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ መረፃ ክዕዘቡ ዝደልዩ ኣካላት ድማ በቲ ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮሮና ዝፈቕዶ ክዕዘቡ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዘብን መንግስትን ክልል ትግራይ
26 ነሓሰ 2012 ዓ.ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *