“ሓበሬታ ንኹሉ!!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መዓልቲ ሓበሬታ ይኽበር ኣሎ

“ሓበሬታ ንኹሉ!!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መዓልቲ ሓበሬታ ይኽበር ኣሎ
።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።

“ሓበሬታ ንኹሉ!!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምትሕብባር ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ፕሮግራም ቃል ኪዳን ሰቖጣ ትግራይን ብብርኪ ዓለም ንሓምሻይ ግዜ፣ ብብርኪ ክልል ድማ ንኻልኣይ ግዜ መዓልቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቐለ 21 መስከረም 2013 ዓ.ም ብፓነል ምይይጥ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ መኽፈቲ ፓነል ምይይጥ ዝተረኸባ ሓላፊት ቢሮ ር/ህዝብን መንግስትን ወይዘሮ ሊያ ካሳ ከምዝበልኦ፣ ዕላማ እቲ ዋዕላ ስሉጥን ፅፁይን ሓበሬታ ንኽህልው በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ እዩ። ስሉጥ፣ ፅፁይን ተኣማናይን ሓበሬታ ናብ ሕብረተሰብ ክበፅሕ ምግባር ንድሕንነትን ሰላምን ወሳናይ እዩ፤ ይኹን እምበር ኣብዛ ሃገር ዘለዋ ሚድያታት ፅፁይን ተኣማናይን ሓበሬታ ናብ ሕብረተሰብ እናብፅሓ ስለዘይኮና ሃገር ናብ ጫፍ ምብትታን ክትበፅሕ እናገበራ እየን ኢለን።

ብምዃኑ ሚድያታት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ መርብብ ሓበሬታ እናተጠቐማ ስሉጥ፣ ፅፁይን ተኣማናይን ሓበሬታ ክበፅሕ ብምግባር ምኽንያታውን ሞጓታይን ማሕበረሰብ ኣብ ምፍጣር ግደአን ክዋፅኣ ይግባእ ዝበላ እተን ሓላፊት፣ ብሓፈሻ ሚድያታት ሓበሬታ ብመንፅር ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ እናመዘና ብዝግባእ ምጥቃም የድሊ ክብላ ተዛሪበን።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
21 መስከረም 2013 ዓ.ም

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *