ሓድሽ ቅርሺ ኣብ ጨንፈራት ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓሕን ምቕያር ከምዝከኣል ተገሊፁ

ሓድሽ ቅርሺ ኣብ ጨንፈራት ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓሕን ምቕያር ከምዝከኣል ተገሊፁ

ኣብ ኩለን ጨንፈራት ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓሕን ሓድሽ ቅርሺ ምቕያር ከም ዝካኣል ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓን ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ከምዝበልዎ፣ ምቕያር ሓድሽ ቅርሺ ሲዒቡ ሕብረተሰብ ከይተደናገረ ኣብ ቀረብኡ ኣብ ዘለዎ ጨንፈራት ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓሕን ምቕያር ከም ዝኽእል ፈሊጡ ክሳብ እቲ ዝተብሃለ መቐየሪ እዋን ናብ እተን ጨንፈራት እቲ ትካል ብምኻድ ክቕይር ይግባእ ኢሎም፡፡

ኩነታት ምቕያር ቅርሺ ድማ ክሳብ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ንዝቕይሩ ወገናት ካብ 5 መስከረም ክሳብ 5 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን እንትኾን፣ ትሕቲ ብር ሚኢቲ ሽሕ ንዝቕይሩ ወገናት ድማ ካብ 5 መስከረም 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 3 ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን ከምዝኾነ ኣፍሊጦም። በዚ መሰረት ሕብረተሰብ ነዚ ብምርዳእ ናብ እተን ትካላት ዕቋር ወይ ባንኪ ብምኻድ ኣብ ኢዱ ዘሎ ቅርሺ ብእዋኑ ብምቕያር ካብ ዘይተደለየ ኪሳራ ክናገፉ ኣይተ ሙሉጌታ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ መወዳእታ ምቕያር ሓዱሽ ቅርሺ፣ ንምውጋድ ዘይሕጋዊ ቅረሺ ስለ ዘጠቅም፣ ሕብተሰብ ቅርሺ ኣብ ገዛ ካብ ምቕማጥ ኣብ ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓሕን ሓድሽ ሒሳብ ቁፅሪ ኸፊቱ ክዓቁር ከምዘለዎ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ፀዊዖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *