ዘራእቲ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ከይብላዕ ተዋዲድካ ምስራሕ የድሊ ተባሂሉ

ዘራእቲ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ከይብላዕ ተዋዲድካ ምስራሕ የድሊ ተባሂሉ
“““““““““““““““““““““““““““““““““““““““““`
ዘራእቲ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ከይብላዕ ሃፍትን ጉልበትን ቆጣባይ ብዝኾነ መንገዲ ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዘድሊ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ ገሊፁ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቡ ከምዝሓበርዎ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ሎሚ ዕለት 30 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብበዝሒ ዝወዓለ ኮይኑ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቅን ዞባ ማእኸል ከባቢታት ቆላ ተምቤንን እውን ብዝተወሰነ መልክዑ ተራእዩ እዩ፡፡ ነዚ ንምምካት ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ልዑል ምድላው እናገበረ ኮይኑ ዘራእቲ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ከይብላዕ ሃፍትን ጉልበትን ቆጣባይ ብዝኾነ መንገዲ ተዋዲድካ ምስራሕ የድሊ ኢሎም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣጋጢሙ ዝነበረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። ሕዚ ድማ ኣብ ትግራይ ብዘራእቲ ኣብ ዝተሸፈኑ ከባብታት በቲ ዕስለ ልዑል ጉድኣት ከይበፅሕ ብዝተዋደደ መንገዲ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ምልዕዓል ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም፡፡

ዕስለ ኣንበጣ ኣብ እዋን ሙቐት ስለዝንቀሳቐስ ኣብ ዘራእቲ ከይዓርፈ ናብ ዘራእቲ ዘየብሉ በረኻ ክባረርን ክዓርፍን ክግበር ኣለዎ ዝበሉ ዶ/ር ኣትንኩት ኣብ እዋን ዛሕልን ለይትን እቲ ኣብ ዘራእቲ ዘየብሉ በረኻ ዝዓረፈ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኬሚካል ንምንፃግን ንምጭፍጫፍን ምቹው ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ መወዳእታ ብሰዓታት ኣፈላላይ ሃገራት ኣቋሪፁ ካብ ሶማልን ዓፋርን ናብ ክልል ትግራይ ይመፅእ ንዝነበረ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምክለኻል ብዙሕ ልምድን ተሞክሮን ዘለዎም ሰብሞያታት ሕርሻ ትግራይን ብዝተዋደደን ዝተጠናኸረን መልክዑ ኣብ ክልል ዓፋር እናሰርሑ ከምዝፀንሑ ዶ/ር ኣትንኩት ገሊፆም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
30 መስከረም 2013 ዓ/ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *