ንምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝወፀ ድንጋገ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምምሕያሽ ከም ዝተገበረሉ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ፡፡

ኣብ ድንጋገ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምምሕያሽ ተገይሩ
““““““““““““““““““““““““““““`
ንምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝወፀ ድንጋገ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምምሕያሽ ከም ዝተገበረሉ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ከምዝሓበርዎ፣ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ድንጋገ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ፀዲቑ እናተሰርሐሉ ፀኒሑ እዩ፡፡ ሕዚ ድማ ኣብ ኢኮኖሚ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ብምርኣይ ተነቢሮም ዝነበሩ እገዳታት ክለዓሉ ተገይሮም፡፡

ብመሰረት’ዚ ካብ ካልኦት ሃገራት ይኹን ክልላት እዛ ሃገር ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ 24 ሰዓታት ጀሚሩ ክሳብ 48 ሰዓታት ውሽጢ ውፅኢት ምርመራ ክወሃቦም፣ እንዳመስተ ክሳብ ምሸት ኣርባዕተ ሰዓት ጥራሕ ግልግሎት ክህቡ ከምዘለዎምን ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓት ክሰርሕ ዝተረኸበ ግና ክሳብ ፍቓድ ምሕዳግ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ።

ካብ ደገ ፍቓድ ወረቐት “ፒሲኣር” ዝብል ሒዞም ንዝመፁ ኣጋይሽ ከይተወሸቡ ዝኣትውሉ ኩነታት ከምዘሎን ኣብ ገዛ ኽራይ ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ክለዓል ብምግባር በቲ ስሩዕ ክቕፅል ተገይሩ ኣሎ። ኣብ መጓዓዝያ ድማ በቲ ሕጋዊ መንገዲ ምጉዕዓዝ ክህሉን ሳኒታይዘር፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ግድን ክኸውን እዙይ ተግባራዊ ዘይገበረ ግና ክሳብ 5,000 ቅርሺ መቕፃዕቲ ይስዕቦ። ትምህርቲ ብዝምልከት 9 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም 12 ክፍሊ ጥራሕ ክጅምሩ ካልኦት ግና ሕድ ሕድ ቤትትምህርቲ መፅናዕቲ ተገይሩ ከመይ ከምዝጅምሩ ንቐፃላይ ብዝርዝር ከምዝቐርብ ዶ/ር ሓጎስ ገሊፆም፡፡

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *