ጎና ጎኒ ምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ዘራእቲ ምእካብ ከም ዘድሊ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣፍሊጡ፡፡

ጎና ጎኒ ምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ዘራእቲ ምእካብ ከም ዘድሊ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣፍሊጡ፡፡

ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ምስ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ወረዳ ኣሕፈሮም ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ አሕፈሮም ጣብያ እንዳማርያም ዝተመሓየሹ ዓሌታት ስርናይ ብስፍሓት ስራሕቲ ምፍላጥ እናካየደ ከም ዝርከብ እቲ ምርምር ማእኸል ኣብ ድህረ ገፁ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣረዲኡ፡፡

ብምርምር ዝወፁ ዓሌታት ስርናይ ኦጎልቾ (ንእኹል ጠሊ ዘለዎም ከባቢታት ዝኸውን ዓሌት)፣ መቐለ-1(ንሕፅረት ጠሊ ዘለዎም ከባቢታት ዝኸውን ዓሌት ስርናይ) ኣብ ወረዳ አሕፈሮም ጣብያ እንዳማርያም ኣብ 62 ሓረስቶት ኣብ 15.75 ሄክታር ስፍሓት መሬት 23.27 ኩንታል ሙሩፅ ዘርኢ ብምቅራብ ተስፋ ዝህብ ስራሕ ከም ዝሰርሐ እቲ ምርምር ማእኸል ሓቢሩ፡፡

እቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ብምዕባለ ሙሩፅ ዘርኢ ምብዛሕን ዕደጋን ዩኔን ዑደት ተኻይድሉ ብሓረስቶት ልዑል ተቀባልነት ዝረኸበ እንትኸውን፣ ንቀፃሊ ምዕባለ ሙሩፅ ዘርኢ ምብዛሕን ዕደጋን ዩኔን ብስፍሓት ዘርኢ ንኸባዛሕ ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ ከም ዘሎ እቲ ምርምር ማእኸል ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 09 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *