ዘራእቲ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ከይብላዕ ስራሕቲ ምእካብ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ሓቢሩ ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ ፀብፂቡ

ዘራእቲ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ከይብላዕ ስራሕቲ ምእካብ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ሓቢሩ ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ ፀብፂቡ፡፡

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ እንደርታ ኣይተ ፀጋይ ገ/ተክለ ከም ዝሓበርዎ መከላኸሊ ሃገር 4ይ መከናይዝድ ክፍለ ጦር፣ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ፣ ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 70 እንደርታ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወረዳ እንደርታ፣ ማክዳ ጋርመንት: ቢሮ ደአንትን ማኒፋክቸሪንግ ክልል ትግራይን አብ ጣብያ መንበረ ቁድሳንን ፈለገ ሰላምን ብዝተዋደደ ወፍሪ ዓፂድ የካይዱ ኣለዉ ኢሎም፡፡

እቲ ኣጋጢሙ ዘአሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት ከየብጥሕ ስራሕቲ ምእካብ ዘራእቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ሓቢሮም ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ ፀብፂቡ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
10 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *