ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘሳለጦ 5ይ ዘበን 11 ስሩዕ ጉባኤ ሰለስተ ዝተመሓየሹ ኣዋጃት ኣፅዲቑ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መመሓደሪ ደንቢ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፅሕፈት ቤት ምኽሪ፣ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዳግም ንምምሕያሽን ስልጣንን ተግባርን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ንምውሳንን ዝወፁ ኣዋጃት ብዕምቆት ብምድህሳስ ኣፅዲቑ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ሹመት ምኽትል ፕረዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘፅደቐ ኮይኑ ንዝሓለፉ 24 ዓመታት ኣብ ስራሕቲ ዳይነት ከገልግሉ ዝፀንሑን ኣብዚ ሐዚ እዋን ዳይና ሰበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዝኾኑን ኣይተ ተስፋይ ገብረመድህን ምኽትል ፕረዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንክኾኑ ብሙሉእ ድምፂ ሹመት ኣፅዲቑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *